ኣብ ማይ-ካድራ፡ ምዕራብ ትግራይ፡ ተወላዶ ኣምሓራ ንኽጣየሱን መሬት ክሕዙን ብላዕለዎት ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ይድፍኣሉ ከም ዘሎ ተወላዶ ትግራይ የመልክቱ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ኣገባብ ቅኑዕ ከም ዘይኰነን ዘድሊ ምድራይ ክግበርሉን ጸዊዑ ኣሎ።
ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተወላዶ ትግራይ መሬቶም ገዲፎም ንኽወጹ ከም ዝተገደዱ ተወላዶ ትግራይ። ብመንግስቲ ዝተጣየሰ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ጉዳይ ዘድሊ ምክትታል ከም ዝገብረሉ ኣመልኪቱ። ካብቲ ኮሚሽን ታሪኩ ጌታቸው “እዚ ዝብሃል ዘሎ ሓቂ እንተዀይኑ ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ። ኮሚሽንና ድማ ዘድሊ ምርመራ ክግበር’ዩ፡” ትብል።
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ንተወላዶ ኣምሓራ ናብቲ ቦታ ንኽመጹ ምትብባዕ ክገብሩ ጸኒሖም። እቲ ቦታ ንነዊሕ እዋን ኣካል ምምሕዳር ክልል ትግራይ’ዩ ጸኒሑ።
ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ከም ዝጠቕሱዎ፡ ብሰንኪ ኣቐዲሙ ዝነበረ ብህወሓት ዝዕብለል መሪሕነት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ መሬቶም ገዲፎም ንኽስደዱ ተገዲዶም’ዮም።
ድምጺ ኣመሪካ ነዚ ኣሃዝ’ዚ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ዜጋታት ኣብ ማይ-ካድራ ከጣይሱ መደብ ሒዞም ከም ዘለዉ ኣይገለጹን። እንተዀነ እዚ ሓድሽ ናይ ሰፈራታት መደብ ካብ ተወላዶ ኣምሓራ ዝዀኑ’ሞ ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ተቓውሞ ይጎንፎ ኣሎ። ሕቶኦም ኣብቶ ቦታ ንነዊሕ እዋን ከም ምጽናሖም መጠን እኹል ኣቓልቦን ሓገዝን ዘይምርካቦም’ዩ።
ድምጺ ኣመሪካ ንድሕነት እቶም ኣካድቲ ሰልፊ ንምሕላው ብቐረባ ክስእል ኣይመረጸን።
መንነቱ ክዕቅብ ዝሓተተ ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ብዛዕባ’ቲ ጉዳዮም ኣመልኪቱ “ሎሚ ተቓውሞና ብግልጺ ከነስምዕ ነቒልና ኣሎና። ኣብ እዋን ጭፍጨፋ ኣብዚ ቦታ ዝነበርና ንሕና ኢና። መሬትና ክንሓርስን ከነልምዕን ኣይከኣልናን”ይብል።
ማይ-ካድራ ኣብ ሕዳር 2020 ኣቓልቦ ማዕከናት-ዜና ስሒባ ነይራ። ኣብቲ እዋን ኣማኢት ተወላዶ ኣምሓራ ብተጋሩ ምቕታሎም ተመልኪቱ’ዩ። ንምውታን ንምቕባር ክሳብ ኤክስካቨተር መሳርሒ ከም ዘድለየ ኣብ እዋኑ ዝተዘርግሐ ዜና ይጠቅስ። ንዕኡ ስዒቡ ብኣምሓራ ተመሳሳሊ ጭፍጨፋ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ከም ዝተኻየደ ይሕበር።
ነባሪ እታ ከተማን ተወላዲ ትግራይን ዝዀነ ኣታኽልቲ ሓጎስ ካሳ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተዓቝበ ክድሕን ምኽኣሉ ይነግር። ካልኦት ዝበዝሑ ተጋሩ ግን ነቲ ማዕበል ፈሪሖም ምህዳሞም ይጠቅስ።
“ኣብ ሓንቲ ለይቲ ዳርጋ ፍርቆም ተጋሩ ነዚ ዓዲ ሓዲጎም ሃዲሞም። ገሊኣቶም ንሱዳን ከይዶም። ካልኦት ድማ ናብ ጎንደርን ካልእ ኣከባቢን ነብሶም ንምድሓን ሃዲሞም። ዓቕሚ ዘለዎም ድማ ናብ ካልእ ውሑስ ስድራ ተሓቢኦም። ”ይብል።
ኣመሓዳሪ ማይ-ካድራ ዝዀነ ቸሩ ሓጎስ ሕጂ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ምምሕያሹ ይዛረብ።
“እቶም ኣብ ቅትለት ዝተሳተፉ ወገናት ገበኖም ፈሊጦም ሃዲሞም’ዮም። እቶም ቀተልቲ ግን ሓደ መዓልቲ ፍርዶም ክረኽቡ’ዮም። ካብዚ ከተማ ንኽወጹ ዘገደዶም ኣካል የሎን። ግን እዚ መሬት ንዓቶም ከም ዘይምልከት ስለ ዘስተወዓሉ ክሃድሙ ተገዲዶም። ስለዚ ከኣ’ዮም ሰባት ቀቲሎምን ገበናት ፈጺሞምን ሃዲሞም ዘለዉ፡”ይብል።
ኣብ መንጎ ተጋሩን ኣምሓሩን ምጥምማት ከም ዘየሎ ድማ ይገልጽ። ነቲ ብነባሮ ተወላዶ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ ተጣየስቲ ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ ድማ ክንድቲ ግምት ኣይሃቦን።