ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳግመ መስርሕ ኦይስተር ንትሕዝቶ ማይ ከምዘመሓይሽ ተገሊጹ


ኣብ ኣብያተ መግቢ ኣብ ጥቕሚ ምስ ውዓለ ዝድርበ ኦይስተር ወይ ድርብ ድርዒ ዘለዎ እንስሳ ባሕሪ ካብ ኣብያተ መግቢ እናተኣከበ ናብ ባሕሪ ናይ ምምላስ (Oyster Recovery Partnership) መስርሕ ኣሎ።እዚ ድርዒ ወይ ሼል መሊስካ ኣብ ረብሓ ናይ ምውዓል ይካየድ ናይ ዘሎ ምንቅስቓስ /Shell Recycling Alliance/ ወፍሪ እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ከባቢ ቸሲፒክ በይ ካብ ዝርከቡ ኣብያተ መግቢ 1,215,760 ሊትሮ ኦይስተር ተኣኪቡ እዩ።ሓድ ሕድ ፍርቂ መሸፈኒ ሼል ወይ ድርዒ ሓድሽ መንበሪ 10 ውላዳት ኦይስተር ይኸውን።እቲ መሊሱ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ወይ ሪሳይክል ዝኸውን ሼል ብብዙሕ መንገድታት ንከባቢያዊ ሓለዋ ረብሓ ኣለዎ።

ኦይስተር እምኒ ብዝመስል ሼል ዝሽፈን ወይ ድርብ ድርዒ ዘለዎ እንስሳ ባሕሪ እዩ።ኦይስተር ኣብ ማይክ ክራፕ ሃውስ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ቤት መግቢ ካብ 1958 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝርዝር መግቢ /Menu/ ተደላይ ወይ ፍሉጥ ዓይነት መግቢ እዩ።

ኣብ ሪቫ ሜሪላንድ ዘሎ ቤት መግቢ ናይ ኦይስተር ድርዒ መሊሱ ኣብ ረብሓ ክውዕል ካብ ዝገብሩ ልዕሊ 330 ኣብያተ መግቢ ሓደ እዩ።ወናኒ ናይቲ ቤት መግቢ ቶኒ ፒየራ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ፕሮግራም ይሳተፍ ከምዘሎ ይዛረብ።

“ንዓና ኩሉ ዕውት ዝኾነሉ ስራሕ ገይርና ኢና ንወስዶ።ንከባቢያዊ ሓለዋ እውን ዓወት እዩ።”

ኦይስተር ኣብ ቤት መግቢ ኣብ ጥቕሚ ድሕሪ ምውዓሉ ከመይ ከምዝእከብ እውን ከምዚ ክብል የረድእ።

“ፈለማ ነቲ ጉሓፍ ዝወስዱ ኣቐዲሞም ይመፁ’ሞ ይወስዱዎ ነይሮም።ሎሚ ግን ኦይስተር ሪከቨሪ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ እናመፁ እዮም ዘልዕሉዎ።”

ማይክስ ክራፕ ሃውስ ኣብዚ ዓመት ነቲ ፕሮግራም ኣበርኮ ካብ ዝገበሩ 10 ሓገዝቲ ሓደ ክኸውን ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 29,920 ሊትሮ ዝመዘን ናይ ኦይሰተር ድርዒ ዳግም ኣብ ረብሓ ክውዕል ወይ ሪሳይክል ክኸውን ኣወፊዩ እዩ።

“ሪሳይክል ከምእንገብር ስለዝፈልጡ ብዙሓት ሓደሽቲ ዓማዊል ይመፁና ከምዘለው እዩ ዝስምዓኒ።ንከባቢና፣ንቼሲፒክ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም።”

እቲ ፕሮግራም ኣብ 2010 ዓ.ም ኣብ 22 ኣብያተ መግቢ እዩ ተጀሚሩ።ወሃቢት ቃል ኦይስተር ረከቨሪ ፓርትነርሺፕ ካሪስ ኪንግ ብቕልጡፍ እናዓበይ ይመፅእ ከምዘሎ ትዛረብ።

“ፅቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ’ሎ።ኣብ ሓድ ሕድ ማዕፆ እናኳሕኳሕናን ንሰባት ብምስታፍን እናዓበናን እናስፋሕፋሕናን ኢና ንኸይድ ዘለና።መዓልታዊ ጠለባት ይመፀና’ሎ።ከመይ ገይርና ኣካል ናይዚ ፕሮግራም ከምዝኾና ክሓስቦ ከለኹ ናይ ብሓቂ ኣዝየ ሕጉስቲ እየ።ከወፊ ኣለኒ፤ቀፃሊ ክኸውን እውን ድልየተይ እዩ።”

ማነጀር ሼል ዝተባህለ ናይ ምምስራሕ ሕብረት ቶኒ ፕራይስ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ወይ ዝተደርበየ ኦይስተር ካብ ኣብያተ መግብን መሸጢ ሲፉድን ከምዝእክቦ ይዛረብ።

“ኣብ ሰሙን ሸውዓተ ግዜ ነልዕል ኢና፤ኣብ መወዳእታ ሰሙናት ዝህልው ፍፃመታት ሓዊሱ።ኣብ ሓደ ሰሙን ኣስታት 18,200 ሊትሮ ዋላ እውን ክሳብ 29, 120 ሊትሮ ዝኸውን ንእክብ ኢና።”

ንዝተጉሓፈ ድርዒ ዘመላልሳ ናይ ፕራይስ ናይ ፅዕነት መኻይን ዝቕፅል ናይ ምፅራይ ስራሓት ናብ ዝካየደሉ ቦታ ይወስድኦ።

“እቲ ድርዒ ወይ ሼል ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብዚ ይራገፍን ይቕመጥን።ኣብዚ ይነቅፅ፣ብፅሓይን ንፋስን ይውቃዕ፣ዝናብ እውን ይወቕዖ።ኣብቲ ሼል ዝተረፈ ነገር ክሳብ ዝብስብ ማለት እዩ።…ድሕሪ ዝተፈላለየ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ውፁእ ፃዕዳ ይኸውን።”

እቲ ሼል ወይ ድርዒ ንቀፃሊ ናይ ምፅራይ ስራሓት ናብ ናይ ሜሪላንድ ዩኒቨርስቲ ማእኸል ከባቢያዊ ሳይንስን መጫጭሒ ኦይስተርን ይውሰድ።

ናይቲ ማእኸል ማነጀር ስተፋኒ ኣለክዛንደርን ጉጅልኣን ብዕድመ ገና ህፃናት ንዝኾኑ ደቀቕቲ ኦይሰትራት ናብቲ ብዝተፈላለየ መስርሕ ዝፀረየ ድርዒታት ንምጥባቕ ምድላዎም ትገልጽ።

“ኣባፅሕ ኦይስተራት ሒዝና እንቋቑሖ ከውድቓን ክጫጭሑን ንገብር።እቶም ዝተጫጭሑ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙናት ክዓብዩ ንገብሮም።ምስ ዓበዩ ምስቲ ድርዒ ነጣብቖም።”

ኣሌግዛንደር ብተወሳኺ ኣብቲ ዳግም ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለ ተፈጥሮኣዊ ሼል ወይ ድርዒ ዝተጣበቑ ናብ ቼሲፒክ በይ ክኣተው ይግበር።ኣብኡ ይዓብዩ በዚ ድማ ቁጽሪ ኦይስተርስ ይውስኽ።ሓደሽቲ ናይ ኦይስተር ወለዶታት ንጥዕና ኣብቲ በይ ንዝርከብ ማይ ኣዚዩ ኣገዳሲ ይኸውን ትብል ።

“ኦይስተራት ንማይ የፃሪይዎን ንፁህ ይገብሩዎን።…ፅሩይ ማይ ምስ ዝህልው ብዙሕ ብርሃን ፀሓይ ክኣትው ይገብር።ተወሳኺ ሳዕሪ ይቦቅል እሞ ዓሳን ክራብን ኣብ ንእስነቶም ብኻልኦት ከይብልዑ ንመሕብኢ ይጥቀምሉ።እናተጫጭሑን እናተራብሑን በዝሖም ይውስኽ።”

ምዕዋት ፕሮግራም ሼል ናይ ምምስራሕ ሕብረትን ካልኦት ኣብያተ መግቢ እውን ንክሕወሱ ዘተባብዕ እዩ።እዚ ነቲ በይ ይኹን ኦይሰተር ንዝበልዑ ሰባት ፅቡቕ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዳግመ መስርሕ ኦይስተር ንትሕዝቶ ማይ ከምዘመሓይሽ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:14 0:00

XS
SM
MD
LG