ዋሽንግተን —
ዳይሬክተር ድምጺ ኣመሪካ ኮይና ዝሰርሐት ኣመንዳ በነት፡ ሕጅ`ውን ነቲ ድምጺ ኣመሪካ`ውን ዝሓቁፍ ትካል ኣህጉራዊ ሚድያ ኣመሪካ ንክትመርሕ ብፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ ምምዛዛ፡ ኮሚቴ ሰነት ኣመሪካ ከጽድቐላ ይቀራረብ ኣሎ። ኣመንዳ በነት ብዛዕባ ብድሆታት ሚድያ፡ ስግኣት ጋዜጠኛታትን ምዕፋን ናጻ-ፕረስ ኣብ ዙርያ ዓለምን ሕቶታት ቀሪቡላ ኔሩ።
ኣመንዳ በነት ቅድሚ ሎሚ`ውን ንድምጺ ኣመሪካ መሪሓ ኔራ`ያ። ሕጂ ድማ ነቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓዊሱ ሽዱሽተ ክፍልታት ዝጥርንፍ ኣህጉራዊ ሚድያ ኣመሪካ ከም ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኮይና ንክትመርሕ ብዋይት ሃውስ ተመዚዛ`ላ።