ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳይሬክተር ዩኔስኮ ንቅትለት ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ ኮኒኖምዎ 


ዳይሬክተር ዩኔስኮ ኣውድሪ ኣዞላይ "ቅትለት ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ ይኹንኖ፣ ሰበ ስልጣን ነቲ ገበን ንከጻርዩዎን ፈጸምቱ ናብ ፍርዲ ንክቅርብዎም፣ ጋዜጠኛታት ስርሖም ንከይፍጽሙ ዝደልዩ ወገናት ገበን ፈጺሞም ከይተሓተቱ ምትራፎም ንግብሮም ዘተባብዕ እዩ" ኢሎም ።

እቶም ዳይሬክተር ዩኔስኮ ወሲኾም "ቅድሚ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ክልል ትግራይ ሞይቱ ብዛዕባ ዝተረኸበ ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ ንክጻረይ" ጸዊዖም።

ንቴሌቭዥን ትግራይ ይሰርሕ ዝነበረ ዳዊት ከበደ፣ ኣብ ውሽጢ መኪና ምስ ካልእ ብጻዩ ኣብ ርእሶም ብጥይት ተወቂዖም ሞይቶም ከምዝተረኸቡ’ውን መግለጺ ዩኔስኮ ጠቂሱ።

ምሉእ ትሕዝቶ'ቲ መግለጺ ዳይሬክተር ዩኔስኮ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG