ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘኪሮም


ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዘይምዕሩይ ብጽሒት ክታበት ኮቪድ 19 ኣብ ዙርያ ዓለም ንዕድመ’ቲ ቫይረስ የናወሖ ከምዘሎን፣ እቲ ለበዳ ኣብ ኩለን ሃገራት ክሳብ ደው ክብል ዘይተገብረ፣ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣይጠፍእን እዩ ኢሎም ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎሚ ሶኑይ አብ ዝሃብዎ መግለጺ "ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቆም ንካልኦት ንምግልጋል ብቆራጽነት ንዝተሰለፉ ብዙሓት ሓካይምን ሰራሕተኛታት ጥዕናን" ሞጊሶም።

150 ሽሕ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ጥዕናን አብ ውግእ ጸረ ኮቪድ 19 ከምዝሞቱ’ውን ጠቂሶም።

ሃብታማት ሃገራት ንፈውሲ ጸረ ኮቪድ 19 ይኽዝነኦ ኣለዋ ኢሎም ዝኸሰሱ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ፣ 75 ሚእታዊት ክታበት ጸረ ቫይረስ ኮሮና ኣብ 10 ሃገራት ጥራሕ ከምዝተዋሃበ ሓቢሮም። ኣብ ድኻ ሃገራት ግና ዛጊት ክልተ ሚእታዊት ብጽሒት ከምዝሓዛ’ውን ገሊጾም።

ነቲ ዘይምዕሩይ ብጽሒት ክታበት ‘ነውሪ’ ኢሎም ዝገልጹዎ ዶ/ር ቴድሮስ፣ ሒደት ሃገራት ንክታበት ብሒተን ንዕድል መላእ ዓለም ክውስና ምኽኣለን ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ኢሎም። ዓለማዊ ኩናታት ኣዝዩ ተኣፋፊ ኮይኑ ኣሎ፣ ሃብታማት ሃገራት ነቲ ቫይረስ ንምስዓር ዘለወን ዓቅሚ ሸለል ክብለኦ ከምዘይግባእ ጠቂሶም፣

"ዝኾነት ሃገር፣ ክንዲ ዝኻኣለት ክታበት ንዜጋታታ ትለግስ፣ ካብ’ዚ ጸገም’ዚ ናጻ ወጺኤ እየ ኢላ ክትሓስብ የብላን። እዚ ቫይረስ’ዚ፣ መልክዑ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ይለዋውጥ ኣሎ። ኣብ ቀጻሊ ዝመጽእ ለውጢ፣ ነቶም ዘለውና ዓቅምታት ኣዳኺሙ ንድሕሪት ክመልሰና ይኽእል እዩ።"

ዶ/ር ቴድሮስ ወሲኾም፣ ምንጪ’ቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ዘይምህላው፣ ከምኡ'ውን ሓበሬታ፣ ኣሃዛዊ ጸብጻባት፣ ኩነታት’ቲ ቫይረስ፣ ጸጋታትን ቴክኖሎጂን ክንለዋወጥ ዘይምኽኣልና እዩ ኢሎም፣

"እዚ መሰረታዊ ሕጽረታት’ዚ ክንብድሆ ንኽእል፣ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ሓያል ምትሕግጋዝ ምስ ዝህሉ፣ ንለበዳታት ቅድመ ምድላውን ንግብረ መልሲን ብድሆታት ንምስጋርን ንዝኣተናዮ ውዕላት ምስ ነኽብርን እዩ። ኣድማሳዊ ውዕልን ንኩለን ሃገራት ዝሓቁፍን ክኾን ኣለዎ።"

ውድብ ጥዕና ዓለም ዛጊት ካብ ዘቅረቦምን ናብ ትግባረ ዝበቅዐን አህጉራዊ ውዕል ን ትንባኾ ዝምልከት ውዕል ጥራሕ እዩ ።

XS
SM
MD
LG