ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ሃገራት ካብ ቻይና ዝመጹ ተጉዓዝቲ ከይክልክላ ጸዊዖም


ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃገራት ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ካብ ቻይና ንዝመፁ ተጎዓዝቲ ምእታው ከይኽልክሉ ጸዊዖም።

ኣብ ቻይና 361 ዝሞቱ ሓዊሱ ልዕሊ 17,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ምልኻፎም ተረጋጊፁ’ሎ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነዚ ምሕፅንታ ዘቕረቡ ዓመታዊ ፖሊሲ ጥዕና ውድብ ጥዕና ዓለም ንምውሳን ኣብ ዝተፀውዐ ዓመታዊ ኣኼባ ፈፃሚ ቦርድ መኽፈቲ ስነ ስርዓት እዮ።

ንዓለምለኸ ጉዕዞን ንግድን ዘተዓናቕፍ ዘየድሊ ስጉምቲታት ምውሳድ ኣየድልን።ሃገራት ኣብ መርትዖ ዝተመስረተ ስጉምትታት ክወስዳ ንፅውዕ ኣለና።ትካል ጥዕና ዓለም እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ዝብል ምኽሪ ንትደልይ ዝኾነት ሃገር ሓገዝ ንምሃብ ድልዋት ኢና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG