ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ገና ኣየብቕዓን ክብሉ ኣጠንቒቖም


ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ለበዳ ኮቪድ19 ገና ኣየብቅዐን ክብሉ ትማሊ ሓሙስ ኣጠንቂቖም።ንሶም ነዚ ዝተዛረቡ ብኣመሪካ ዝምራሕን እንግሊዝ:ጀርመን:ኢንዶኖዥያን ሰኔጋልን ብሓባር ዘካየድዎ ናይ ርሕቐት ወይ ቨርችዋል ዋዕላ እዩ።

ንሶም "ዋላ'ኳ መልከፍትን ሞትን ብደረጃ ዓለም እንተነከየ እቲ ለበዳ ኣብቂዑ ኢልካ ምሕሳብ ግጉይ እዩ።ኣብ ኩሉ ቦታ ክሳብ ዝጠፍእ እቲ ለበዳ ገና ኣየብቅዐን’’ኢሎም።

"ብርግፅ ኣብ ልዕሊ 70 ሃገራት መልከፍቲ ወሲኹ ኣሎ።ምርመራ እውን ኣብ ዓለም እናንቆልቆለ ስለዝኾነ ናይቲ ቫይረስ ኣመዓባብላ ከይንርዳእ ይኽውለና ኣሎ’’ኢሎም።

ዶ/ር ቴድሮስ ወሲኾም "ዝተሓተ ኣታዊ ኣብዘለወን ሃገራት ኣስታት ሓደ ቢሊዮን ሰባት ገና ኣይተኸተቡን፤ሃገራት መጠን ክታበት 70% ክበፅሓ ምሕጋዝና ክንቕፅል ኣለዎ’’ክብሉ ገሊፆም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ክታበት ኮቪድ19 ከፍርይ ፍቓድ ዝረኸበ ፈላማይ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፋብሪካ ተወሳኺ ናይ ክታበት ትእዛዝ ስለዘይረኸበ ምፍራይ ምቁራፁ ጋዜጣ ኒው-ዮርክ ታይምስ ፀብፂባ።

XS
SM
MD
LG