ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳያስፖራዊያን ናብ ትግራይ ገንዘብ ዝልእኽሉ ኣገባብ ከምዘለዋ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ


ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዝኾነ ሰብ ኣብ ትግራይ ናብ ዝነብር ሰብ (ንኤርትራዊያን ስደተኛታት'ውን ወሲኹ) ገንዘብ ንምልኣኽ ዘኽእል ምቅርራባት ፈጺሙ ይትግብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣፈጻጽማን ኣለኣእኻን ገንዘብ ከመይ ከምዝትግበር ጸሓፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካ ኣቶ ሚካኤል በርሀ መብርሂ ሂቡና ኣሎ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኣብ ኣመሪካ ንመኽሰብ ዘይቆመት ትካል ረድኤት ተባሂላ ዝተመዝገበትን ነዛ ማሕበር ገንዘብ ዝልግሱ ኣብ ዓመታዊ ግብሪ ኣካቲቶም ተመላሲ ክኾኖሎም ዝካኣልን ከምዝኾነ’ውን ኣቶ ሚካኤል ጠቂሱ።

እንተኾነ ብዙሕ ድያስፖራ ካብ ምሉእ ዓለም ገንዘብ ክሰድድ ኸምዝጸንሐን እታ ማሕበር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መራኸቢ ጸገም ነቲ ዝተሰደደ ገንዘብ ብዝድለ ቅልጣፈ ንተጠቃሚ ንምምሕልላፍ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ነዊሕ ጊዜ ስለዝወሰደላ ዛጊድ ንዝተላእኸ ክሳብ ዝጻፈፍ ሓዱሽ ምቕባል ንዘይተወሰነ ጊዜ ደው ከምዘበለ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ። ማሕበር ልምዓት ትግራይተወሳኺ ሓበሬታ ምስረኸብና ክንገልጸኩም ኢና ይብል ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG