ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳዕሽ ኬሚካላዊን ባይሎጂካዊን ኣጽዋር ከማዕብል ሓጊዛ ዝተባህለት ውልቀሰብ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዋ


ዒራቕ -ኬሚካላውን ባዮሎጂካውን ኣፅዋር
ዒራቕ -ኬሚካላውን ባዮሎጂካውን ኣፅዋር

መንግስቲ ዒራቕ ዳዕሽ ኬሚካላውን ባዮሎጂካውን ኣፅዋር ከማዕብል ንዝሓገዘት ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ዳዕሽ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክትእሰር ትማሊ ሓሙስ ወሲኑ።

ሚንስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ዒራቕ ኣብራር ኣል-ኩባይስ ኢሉ ዝፀውዓ ጓል ኣስንተይቲ ከም ኣካል ኬሚካላዊን ባይሎጂካውን ኣፅዋር ንምምምዕባል ዝሰርሕ ናይ ዳዕሽ ምርምር ጉጅለ ቁልፊ ተራ ከምዝነበራ ሓቢሮም።

ናይ ዒራቕ ፋልከን ናይ ስለያ ዋህዮ መዓዝ ከምዝኣሰራ ከይገለፀ ቅድም ክብል ኣብዝነበረ ስርሒት ከምዝተታሕዘት ሓቢሩ’ሎ።

ዳዕሽ /IS/ ኬምካላዊ ኣፅዋር ምጥቃሙ ዝተፀብፀበ ኣብ መጀመርያ 2015 ብናይቲ ጅሃዳዊ ጉጅለ ማስተርድ ጋዝ ኣብ ዓውዲ ኲናት ብዙሓት ተዋጋእቶም ከምዝተቐትሉዎም ከባቢያዊ ሓይልታት ዒራቕን ኩርድን ድሕሪ ምግላፆም እዩ።

ኣብ መወዳእታ 2016 እውን እቲ ጉጅለ ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ኣብዝተኻየዱ ግጭታት እንተወሓደ 52 ግዜ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ከምዝተጠቐመ ኣብ ለንደን ዝመደብሩ IHS ዝተባህለ ንግጭት ዝከታተል ጉጅለ ገሊፁ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG