ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳዕሽ ሓላፍነት ኣብ ከተማ ካቡል ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ወሲዱ


ዳዕሽ ነቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ካቡል ኣፍጋኒስታን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ።

በቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 20 ሰባት ከምዝሞቱን 30 ከምዝቖሰሉን ዳዕሽ ይገልጽ።

ወሃቢ ቓል`ቲ ብጣሊባን ዝምራሕ ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ኣፍጋኒስታን ብወገኑ፡ በቲ ፍንጀራ ብርክት ዝበለ ህይወት ከምዝጠፍአ ኣፍሊጡ'ሎ።

እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ግዳያት፥ ከምቲ ዳዕሽ ዝብሎ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምጥቃስ ወግዓዊ ቁጽሪ ግዳያት ከም ዘፍልጥ ሓቢሩ።

ዳዕሽ ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ካቡል ንዝተፈጸሙ ዓበይቲ መጥቃዕትታት ገባሪኡ ሓላፍነት ወሲዱ እዩ።

XS
SM
MD
LG