ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳዕሮ ብሮከሬጅ፡ ክራይን መሸጣን ገዛ፣መካይንን ትካላትን ንምስላጥ ዝሕግዝ መርበብ ሓበሬታ


ሳሚኤልን ሙሴን ዝተባህሉ ናይ ኮምፕዩተር ምህንድስና ምሩቓት፣ ኣብ ክራይን መሸጣን ገዛ፣መካይንን ትካላትን
ንምስላጥ ዝሕግዝ " ዳዕሮ ብሮከሬጅ' ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ኣዳልዮም ዘርጊሖም ኣለዉ።

ቀንዲ ዕላማ’ዚ መርበብ ሓበሬታ፣ኣብ ወጻኢን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ንዘሎ ተጠቃሚ ገዛ፡መኪና ወይ ትካል ክካረ ይኹን ክገዝእ ምስ ዝደልይ ብመንገዲ'ዛ መርበብ ፣ ናይቲ ዝደለዮ ነገር ብስእሊ ዝተሰነየ ናይ ዋጋ፣ዓይነት፣ስፍሓት፣ዝርከበሉ ቦታን ካልእን ዝርዝር ሓበሬታ ይረክብ፣ዝደለዮ ነገር ከኣ ምስ ኣካራያይ ወይ ሸያጣይ ተራኺቡ ጉዳዩ ንምስላጥ’ዩ።

እዚ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኤርትራ ንፈለማ እዋን ዝተከፈት ኮይኑ ሰባት ብሕጋዊ መንገዲ ብቐሊሉ ዝደለይዎ ነገር ኣብ ክንዲ ብውክልና ባዕሎም መሪጾም ንከሳልጡ ዝሕግዝ መርበብ ሓበሬታ'ዩ። ተጠቀምቲ ብቋንቋታት
ትግርኛ፣ዓረብ፣እንግሊዝኛን ኣምሓርኛን ክጥቀሙ ይኽእሉ።ብተወሳኺ’ውን ናይ ሞባይል መተግበሪ ተዳልዩ ስለዘሎ ሰባት ኣብ ሞባይሎም ብናጻ ጽዒኖም ብዝቐለለን ብዝቐልጠፈን ሓበሬታ ክረኽቡን ጉዳዮም ከሳልጡን ከምዝኽእሉ'ዮም ኣዳለውታ ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG