ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳኛ ፊጂ፡ ዋንነት ሩስያ ዝዀነት መርከብ ኣመሪካ ክትወርሳ ከም ዝኽእል ይውስን


ኣማዳ ያች

ዳኛ ፊጂ ኣብ ደሴት ፊጂ ተዓሺጋ ዝጸንሐት፡ ንብረት ሩስያዊ ሚልዮነር ዝዀነት ክብርቲ ናይ መዘናግዒ መርከብ (ያች) ኣመሪካ ክትወስዳ ከም እትኽእል ውሳነ የሕሊፉ። እታ ኣማዳ ዝተሰምየት ያች፡ 325 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝዋጋኣ ኰይና፡ ዋንነታ ካብቶም ማዕቀብ ዝተገብረሎም ሰብ-ዋኒን ሩስያ ምዃና ስለ ዝተጠርጠረት’ያ ካብቲ ደቡባዊ ፓሲፊክ ዝዀነት ሃገር ከይትንቀሳቐስ ተኸልኪላ ጸኒሓ።

እታ ያች ብመን ከም እትውንነ ዛጊት ንጹር የሎን። ኣመሪካ ናብ ካልእ ሃገር ሰጊራ ንብረት ክትወርስ ዘኽእላ ሕጋዊ እጀታ እንተልዋ’ውን ካብቲ ካልእ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG