ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳርፉር: 14 መደበራት ዓቓብ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ናብ ሱዳን ተረኪበን


ኣብ ዳርፉር ሱዳን ዝነበራ 14 መደበራት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነበርቲ`ቲ ኸባቢ ንኽጥቀሙለን ንምምሕዳር ሱዳን ተረኪበን።

እተን ን13 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዓቃቢ ሰላም ዝጸንሓ መደበራት- ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ መንጎ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ተልእኮ ዓቃቢ ሰላምን ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ሱዳንን ብዝተገብረ ስምምዕ`የን ከምዝርከባ ተገይሩ።

ነበርቲ`ቲ ከባቢ ካብቲ ዓቀብቲ ሰላም ገዲፎሞ ዝኸዱ ንብረት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ`ዩ ዝግለጽ ዘሎ። እንተኾነ ሸሞንተ ዝኾና መደበራት ድሮ በቶም ነበርቲ ከምዝተዘምታ ይገልጽ።

ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራት እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዝወጻሉ እዋን ኣብ ዳርፉር ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝሕተት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን`ዩ ይብሉ::

ኣብ ዳርፉር ካብ 110 ሃገራት ዝተዋጽኡ 97 ሺሕ ዓቀብቲ ሰላም ኔሮም።

XS
SM
MD
LG