ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲዝኒ ዎርልድ 7-ሽሕ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ከምዘባርር ኣፍሊጡ


ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ትካል መዘናግዒ ዲዝኒ ወርልድ፡ ወጻእታት ንምንካይ ክብል 3.6% ካብ ሰራሕተኛታቱ ከምዘባርር ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ትካል ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ19`ውን 32 ሺሕ ሰራሕተኛታት ኣባሪሩ ኔሩ። ዲዝኒ ኣብ መግለጺኡ እቲ ምጉዳል ሰራሕተኛታት ንስራሕቱ ንምጽፋፍ ምዃኑን 2.5 ቢልየን ዶላር ክሳራ ከጉድለሉ ከም ዝኽእልን ኣፍሊጡ`ሎ።

ዲዝኒ ወርልድ፡ ብዘይካ`ቲ ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ንቆልዑት ማእከል ዝገበረ ናይ መዘናግዒ ቦታታቱ፡ ዝተፈላለዩ ፊልምታት ፡መስመራት ተለቪጅንን ቻነላት ስፖርትን ከምዘመሓላልፍ ይፍለጥ። እንተኾነ ካብ ለበዳ ኮቪድ19 ኣትሒዙ ክሳራታት ክበጽሖ ጸኒሑ`ዩ።

XS
SM
MD
LG