ዋሽንግተን —
ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝረከቡ ዕጡቓትን ዘይዕጡቓጥን ውድባትን ማሕበራትን፡ ብይቕረ-ምብህሃልን ብዕርቅን ፡ ብሓባር ንሰላምን-ዕብየትን ኢትዮጵያ ክሰርሑ ከምዝደልዩ፡ ናይ ሰላም ጻዊዒት ድሕሪ ምቕራቦም፡ ብዙሓት ኣወንታዊ ምላሽ ይህቡ`ለዉ-ገሊኦም ድማ ጥንቃቐ ዝተሓወሶ ምላሽ ይህቡ`ለዉ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን ናብ ንቡር ምሕዝነት ዘቕንዐ መስርሕ ሰላም ተጀሚሩ`ሎ።
ንሎሚ ብሸነኽ ኤርትራ ኾይኑ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዝንቀሳቐሰ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ-ደምህት/ ምላሹ ሓቲትና`ለና።
ንኣቦ መንበር ደምህት ኣቶ መኮነን ተስፋይ ኣዘራሪብና አለና።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።