ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲሞክራሲን ስደትን ቀንዲ ትኹረት ዑደት ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ምዃኑ ተገሊጹ


ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ናይ ኢኳደር መዘነኡ ማውሪሾ ሞንታሎቭ
ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ናይ ኢኳደር መዘነኡ ማውሪሾ ሞንታሎቭ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ናብ ላቲን ኣመሪካ ገይሹ`ሎ፡ ሎሚ ኣብ ኢኳዶር፡ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ደሞክራስን ኣጋጢምዎ ዘሎን ብድሆታት መደረ ከስምዕ`ዩ። ድሕሪኡ ናብ ኮሎምቢያ ከምርሕ`ዩ ።

ብሊንከን ናብ ኢኳዶር ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ጒለርሞ ላሶ፡ ኣብ ልዕሊ ገበናት ዕጸ-ፋርስ ስጉምቲ ንምውሳድ ናይ 60 መዓልታት ህጹጽ ኣዋጅ ኣዊጁ`ሎ ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ቦጎታ ምስ መዘናታቱ ሚንስተራት`ቲ ዞባ ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባትን ስደትን`ውን ኣልዒሉ ከምዝዘራረብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG