ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደገፍቲ ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም


ደገፍቲ ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ጃየር ቦልሶናሮ ትማሊ ሰንበት ምስ ፖሊስ ተራፂሞም።እቶም ደገፍቲ ንሓያሎ መካይን ብምቅፃል ኣብ ዋና ከተማ ብራዚሊያ ንዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ንምውራር ፈቲኖም።

ኣብ ካልእ ከባቢ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ድማ ንሓንቲ ኣውቶቡስ ምቕጻሎም ተሓቢሩ'ሎ።

ጠንቂ ናይቲ ተቓውሞ ንፁር ኣይኮነን።ፖሊስ ርእይቶ ኣይሃበሉን። ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ቦልሶራኖ ብሉዊዝ ኢናቺዮ ሉላ ዳ ሲልቫ እንተተሰዓሩ'ዃ ደገፍቶም ነቲ ውፅኢት ኣይንቕበሉን ኢሎም ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብምትእኽኻብ ሰራዊት እታ ሃገር ጣልቃ ክኣትው ኣብ ምሕታት ይርከቡ።

በዓል ስልጣን ምርጫ እታ ሃገር ትማሊ ሶኑይ ንዳ ሲልቫን ምኽትል ፕረዚደንትን ዕላዊ ወረቐት ምስክር ብምሃብ ነቲ ዝረኸቡዎ ዓወት ዓፅዩዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG