ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደገፍቲ ናጻ ፕረስ ሰበ-ስልጣን ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ነቕፍቲ መሓውራት ዜና ንዝወስድዎ ስጉምቲ ይኹንኑ


ፖሊስ መሓውራት ዜና ሸፈነ ንከይህቡ ኣብ ዝክልኽልሉ እዋን ዝተወስደ ፋይል
ፖሊስ መሓውራት ዜና ሸፈነ ንከይህቡ ኣብ ዝክልኽልሉ እዋን ዝተወስደ ፋይል

ደገፍቲ ናጻ ፕረስ፡ ሰበ-ስልጣን ኡጋንዳ፡ ንፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒን ስድራቤቱን ኣብ ልዕሊ ዝነቕፉ መሓውራት ዜና ንዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ይኹንኑ`ለዉ። ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ፡ ንሓደ 'ዲጂቶክ ቲቪ' ዝተባህለ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ብምውራር፡ ንሰራሕተኛታቱ ብናይ ሳይበር ምድሃልን ዘይእርኑብ ዝርርባትን ከሲሶሞም ኣለዉ። እንተ ተፈሪዶም ክሳብ ሽውዓተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ`ውን ክፍረዱ ይኽእሉ።

ትሸዓተ ኣባላቱ ዝተኣሰርዎን ንብረቱ ዝተሃገሮን ዲጂቶክ ቲቪ ገና ካብቲ ዝወረዶ ስጉምቲ ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ ኣይሓወየን። ኣመሓዳሪ ዲጂቶክ ፋሪዳ ቢኮበረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከላ ማህረምቲ ከምዝወረዳ ትገልጽ፡፡“ነቲ ክተርእዮ ዘይትኽእል ኣካላትካ `ዮም ዘተኩሩ። እዚ ድማ ጽልልቲ እንተዘይኮይንኪ ክተግብርዮ ኣይትኽእልን ኢኺ። ናብ ቅድሚ ካመራ ቀሪበ ክዳነይ ኣውጺአ ንሰብ ከርኢ ኣይክእልን`የ። ኣብ ከብደይ ክሃርሙኒ ከለዉ፡ እቲ መድመይቲ ብውሽጢ`ዩ።"

ጸሓፍን መስራትን ዲጂቶክ ኖርማን ቱሙሁምቢስ ብወገኑ፡ ኣካላት ጸጥታ ኣብ ገጹ ውዑይ ኮበርታ ከምዝገበርሉ ይገልጽ። “ ኣንጻር ፕረዚደንት ዩወሪን ስድራቤቱን እናጸሓፍካ ስለምንታይ ንመንግስቲ ተዋርድ ኣለኻ" ኢሎም ከም ዝሓተትዎ`ውን ይዛረብ።

“መራሕትና ምኽንያታውያን እንተኾይኖም፡ ኣብዛ ሃገር ለውጢ ንምምጻእ ብንህቦ ሓሳባትን ትንበያን ክሽልሙና`ዩ ዝግባእ። ኣነ ብውልቀይ ኣንጻር ሚስተር ሙሰቪኒ ኮነ ኣንጻር ወዶም ወይ ኣንጻር`ቶም ኩሎም ተረባሕቲ ግብሪ ኣይኮንኩን። ግን ኣንጻር ዝኾነ ሕማቕ ምሕደራ`ዛ ሃገር እየ”

ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ፡ ንጋዜጠኛታት ኣየጋፋዕናን ወይ ኣየሳቐናን ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለዉ። እቶም ሰራሕተኛታት ዲጂቶክ ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣለዉ፡ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዘእስር ክሲ ግን ተመስሪትዎም ኣሎ።

መርበብ ሰብኣዊ መሰል ጋዜጠኛታት ኡጋንዳ ከም ዝብሎ፡ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፡ 131 መጥቃዕትታት ተፈጺሙ`ዩ፡ ብዙሓት ካብኦም ድማ ንተኣፋፊ ዝብሃል ጉዳያት ካብ ምሽፋን ንምፍርራሕ ዝዓለመ`ዩ፡ “ጋዜጠኛታት ንፖለቲካዊ ተቓውሞን ፖለቲካዊ ስግግር`ዛ ሃገርን ኣመልኪቶም ሽፋን ክህቡን፡ ንስድራቤት ፕረዚደንት ክነቕፉን ከለዉ፡ ኣብ ውሑስ ዘይኮነ ሃዋህው ኮይኖም`ዮም። ንኹሎም ሓደገኛ ስራሕ`ዩ ኮይኑ ዘሎ።"

ሚንስተር ዜና ኡጋንዳ ክሪስ ባሪዮሙንሲ፡ ብዛዕባ ፕረዚደንት ኮነ ስድራቤቱ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ስራሕ ምስራሕ ፡ ሓደገኛ`ዩ ንዝብል ክሲ ይነጽጎ፡፡ እንተኾነ ሕጋዊ ደረት ኣለዎ ክብል የጠንቅቕ።

“ብፍላይ ነቲ ዲጂታል ሚድያ፡ ንሰባት ንምጽራፍን ንምውራድን ትጥቀመሉ እንተኾይንካ፡ ብርግጽ ኣንጻር ሕጊ ኡጋንዳ`ዩ። ስለዚ ኣብ ገለ ኣብነታት፡ ኣባላት ጸጥታ ስጉምቲ ክወስዱ ይኽእሉ`ዮም።"

በመሰረት ዝርዝር መዝገብ ናጻ ፕረስ 2021፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ፡ ኡጋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ልዕሊ 700 ዝተመዝገበ ሰነዳት ምግሃሳት ከም ዝነበራ የመልክት።

XS
SM
MD
LG