ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደገፍቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዚምባብወ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ዘይሕጋዊ ምትእኽኻብ ጌርኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ 25 ኣባላትን ደገፍቲን ናይ ተቓዋሚ ሰልፊ ጥምረት ዜጋታት ንለውጢ (Citizen Coalition for Change) ትማሊ ሰኑይ ንቤት ፍርዲ ምቕራቦም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኣባላት እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ፖሊስ ዚምባብወ ብቐዳም እቶም ኣባላት ሰልፊ ጥምረት ዜጋታት ንለውጢ፡ ኣኼባ የካዪዱሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዘንብዕ ጋዝ በቲኖም፡ ክልተ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ዝርከቦም ዜጋታት ድማ ኣሲሮም።

ፖሊስ ዚምባብወ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብዛዕባ’ቲ ምትእኽኻብ ከም ዘየፍለጡ ይኸስስ። ኣባላት እቲ ሰልፊ ግን ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ንምትዕንቓፍን ራዕዲ ንምፍጣርን ከም ዝዀነ ይምጕቱ።

ብመንእሰይ ኔልሰን ቻሚሳ ዝምራሕ ሰልፊ ጥምረት ዜጋታት ንለውጢ፡ ነቲ ብፕረዚደትን ኤርመርሰን ምናንጋዋ ዝምራሕ 34 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ዛኑ፡ፒኤፍ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ክሳተፍ’ውን መደብ ኣለዎ።

XS
SM
MD
LG