ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብዳብ ድሮን መቐለ ኣብ ንዋትን መደበር ዜና ድምጺ ወያነን ጕድኣት ኣውሪዱ


ሎሚ ሰሉስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዝሰርሑ ኣቦ መጠናዊ መቝሰልቲ ከስዕብ እንከሎ፡ ቀጺሉ ኣብ መደበር ዜና ድምጺ ወያነ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዘውረደ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ዝበጽሐ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብዝወረደ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ መካይንን ንብረትን ዕንወት ወሪዱ ኣሎ። በቲ ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ መደብ ረድዮን ቴለቪዥንን ትግራይ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ድማ እታ መደበ ቴለቪዥን ስራሓ ደው ከም ዘበለት ክፍልጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓላፊ መዲካል ረፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ብምጥቃስ፡ ካብ ኣገልግሎት ዜና ተሃሪሞም ናብቲ ሆስፒታል ዝመጹ ዜጋታት ምህላዎም ጠቒሱ ኣሎ። ዝርዝር ብዝሒን መጠን ዝወረደ ጉድኣትን ግን ኣብቲ ዜና ኣይተጠቕሰን።

ወሃቢ ቃል ህወሓትን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ፡ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ባይታ ንዝውርዶ ዘሎ ስዕረት ንምሽፋን ሰለማውያን ሰባት ዒላማ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ካብ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎነል ጌትነትን ኣዳነን ሚኒስተር መራኸቢታት ለገሰ ቱሉን ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG