ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ደብዳበ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ 56 ሰባት ቀቲሉ፡ ኣስታት 30 ኣቝሲሉ' ሮይተርስ


ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምውካስ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ ደደቢት፡ ትግራይ ሎሚ ቀዳም ብዝተኻየደ ደብዳበ ነፈርቲ ካብ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዝዀኑ 56 ሰባት ምሟቶምን፡ ካልኦት ብውሑዱ ድማ 30 ምቝሳሎም ገሊጹ ኣሎ።


እቶም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ሰራሕተኛታት ረዲኤት፡ ኣሃዝ መጠን ሞት ካብ ሰብ-መዚ ከም ዝረኸቡዎ ከመልክቱ እንከለዉ፡ ብስእሊ ኣሰንዮም ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝለኣኹዎ ድማ በቲ ደብዳበ ዝተሃርሙ ህጻናት’ውን ንሕክምና ተወሲዶም ኣለዉ።

ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉን ንምርካቦም ዝተኻተደ ፈተነ ኣይተዓወተን። ኣብ ዝቐደመ እዋን ግን መንግስቲ ንሲቪላዊ ዒላማ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸመ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG