ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደብሪ ዓዲሓንስ ካብ ስደት ንማይ ናብ ልምዓት ጀራዲን


ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ትርከብ ደብሪ ዓዲሓንስ ንዘበናት ብጸገም ማይ ክትሽገር ድሕሪ ምጽናሕ ፡ነበርታ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ኣውዲዶም ብዝወሰድዎ ተበግሶ ከዘንቲ ማያት ብምስርሖ ካብ ስደት ንማይ ተናጊፎም ኣብ ዓዶም ከልምዑ ከምዝኸኣሉ ነበርታ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ማይ ንምርካብ ንነዊሕ ኪሎ ሜተራት ይጓዓዛ ከምዝነበራ ዝገለጻ ነበርቲ ደብሪ ዓዲሓንስ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ሳላ ተውዲቦም ዝሰርሕወን ዲጋታት ናይ ጀርዲን ግራት ክረኽባን ኣፍረይቲ ክኾናን ከምዝከኣላ ተዛሪበን።ኣብዚ ሕጂ እዋን ጸገም "ማይ ነብረያ ነበረ ኮይኑ’ሎ” ዝበሉ ተቐማጦ ደብሪ ዓዲ-ሓንስ ፡ካብ ልምዳዊ ማሕረስ ናብ ልምዓት መስኖ ተሰጋጊሮም ነብሶም ክኢሎም ንኻልኦት ኣብ ከባቢኦም ዝርከባ ዓድታት ኣብነት ናይ ልምዓት ክኾኑ ከምዝበቅዑ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ደብሪ ዓዲሓንስ ካብ ስደት ንማይ ናብ ልምዓት ጀራዲን
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:09 0:00


XS
SM
MD
LG