ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደባይ ተዋጋእቲ ቻድ ወታሃደራዊ ሄሌኮፕተር ከምዘውደቑ ይገልጹ


ንመሰጋገሪ መንግስቲ ቻድ ንምዕላው ይዋግኡ ዘለው ደባይ ተዋጋእቲ፣ ንሓንቲ ወትሃደራዊ ሄሊኮፕተር ከምዘውደቁን ንሓንቲ ከተማ ከምዝተቆጻጸሩን ኣፍሊጦም።

እንተኾነ፣ ነቲ ደባይ ተዋጋእቲ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ብሳልሳይ ወገን ንምርግጋጽ ኣይተካእለን።

ወሃቢ ቃል እቶም ደባይ ተዋጋእቲ፣ ሰራዊት ቻድ ብነፈርቲ ደብዳብ ከምዝፍጽምን፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ንሓንቲ ወትሃደራዊ ሄሊኮፕተር ወቂዖም ከምዘውደቁ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ተቃወምቲ ሰልፈኛታት ካብ ህውከት ንክምለሱ ወሃቢ ቃል ወትሃደራዊ መንግስቲ ጸዊዑ ኣሎ። ኣብ ዋና ከተማ ቻድ፣ ኢንጃሜና ዝተወለዐ ህውከት ንሞት ብውሑድ 6 ሰባት ጠንቂ ከምዝኾነ ተሓቢሩ'ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG