ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ዝስራሕ ዘሎ ፋብሪካ ሽኮር ብዕጡቓት መጥቓዕቲ ከምዘጋጠሞም ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ደቡብ ኦሞ ዞን ሰራሕተኛታት ዝስራሕ ዘሎ ፋብሪካ ሽኮር ብዕጡቓት ሓይልታት መጥቓዕቲን ቕትለትን ይፈጸመና’ሎ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮርፐርሽን ሽኮር ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ይቕትልዎ ከምዘለውን ብሰንኪ ፍርሂ’ውን እቶም ሰራሕተኛታት ስርሖም ሓዲጎም ይኸዱ ከምዘለው አረጋጊጹ’ሎ።

ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን ክልል ደቡብ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ብቕትለትን ከቢድ ገበናት ዝተጠርጠሩ 40 ውልቀሰባት ከምዝሓዘ ገሊጹ። እቲ ዞባ ካብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝዓጠቑ ንምጽራይ ወፍሪ ከምዝጀመረ ገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG