ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 28ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ውሕጅን ምሕማም መሬትን ካብ መነባብሮኦም ምፍንቓሎም ተሓቢሩ


ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋ ተፈጥሮ የጋጥም ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሓደጋ ን10`ታት ኣሸሓት ዜጋታት ንሕሰም ናብራ ከምዘቃልዐ`ውን ይግለጽ።

ኣብ ክልል ደቡብ፥ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ፥ ልዕሊ 28 ሺሕ ህዝቢ ብውሕጅን ብሓደጋ ምህማም መሬትን ፡ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ- ውሑዳት ዘይብሃሉ`ውን ህይወቶም ምስኣኖም ሓቢሩ'ሎ።

ነቶም ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ዝግበር ጻዕሪ ድማ ብለበዳ ሕማም ኮሮና ፈታኒ ይኸውን ከምዘሎ- ኮሚሽነር ጋንታ ጋሩማ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ​: በንጻሩ ግን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ፍታሕ ንምምጻእ ይስርሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG