ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ-ኣፍሪቃ- ዕደና ብጸሓያዊ ጸዓት


መስመራት ኤሌክትሪክ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፋይል
መስመራት ኤሌክትሪክ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፋይል

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዘለዋ ትሕተ-ቅርጺ ዝማዕበለት ምዃና ዝንገረላ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ተደጋጋሚ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የጋጥማ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ገዚፍ ጸዓት ዝሓትት ጽላት ዕደና ድማ ነዚ ዘሎ ሃጓፍ ንምምላእ ተተካኢ ጸሓያዊ ጸዓት ይጥቀሙ ኣለዉ።

“ካንዪሳ” (Khanyisa) “ይብራህ” ማለት’ዩ።እዚ ቃል’ዚ ኣብታ ተደጋጋሚ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘጓንፋ ዘሎ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝውቱር ኣበሃህላኰይኑ ኣሎ። እናሻዕ ዘጓንፍ ዘሎ ምቍራጽ ኤሌክትሪክ ካብ ክልተ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓታት ንመዓልቲ ክወስድ ይኽእል።

እዚ ተደጋጋሚ ምብዃር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኸም በዓል ጎልድ ፊልድ (Gold Field) ዝኣመሰላ ትካላት ዕደና ስሩዕ መደባተን ከካይዳ ኣየኽእለንን’ዩ። ስለዚ ከኣ’ያ እታ ትካል ናታ ኣማራጺ ሓይሊ ክትጥቀም መዲባ።

ምኽትል ፕረዚደንት ትካል ጎልድ ፊልድስ ማርቲን ፕሪሰ ጸሓያዊ ጸዓት ዘምጽኣሎም ለውጢ ክገልጽ እንከሎ፤“ኣብ ፈለማ ዓመት ጥራይ ኣስታት 130-ሚልዮን ራንድ ዝኣክል ወጻኢታት ኤሌክትሪክሲቲ ቆጢብና ኣሎና። ካልእ ብልጫ ድማ እዚ ንርእዮ ዘለና ምትእጕጓል ስራሕ ከነወግድ ክኢልና ኣሎና። ሕጂ ግን ውሑስ ቀረባት ክንረክብን ስራሕና ብስሩዕ ክንቅጽል ክኢልና ኣሎና።”

ክኢላታት፡ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ኤሌክትሪክ ብሰንኪ ስእነት ብቑዕ ምሕደራን ንዓመታት ዝኸደ ኣብ ሓደ ትካል ጥራይ ምምስራትን ምዃኑ ይሕብሩ።

እቶም ብከሰልን ካልእ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዝኸዱ ዘለዉ ክልተ ጽላታት ቀረብ ኤሌክትሪክሲቲ ተጸልዮም ኣለዉ። ነታ ሃገር ቀረብ ኤሌክትሪክሲቲ ዝተዀናተረ ኤስኮም ዝተባሃለ ትካል ድማ ዛጊት ካልእ ኣማራጺ ክፍትሽ ኣይርአን ዘሎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆሃንስበርግ ፊይስዚክስ ዝምህር ፕሮፈሰር ሃርትሙት ዊንክለር እቲ መሰረታዊ ጸገም ምስ ግዜ ዘይምጕዓዝ ምዃኑ’ዩ ዝምጕት።

“ኣብዛ ሃገር ዝርአ ዘሎ ውጽኢት ንሓድሽ ተኽእሎታት ዘይምጥማትን ምድሕርሓርን’ዩ። ብሓይሊ ጸሓይ ወይ ንፋስ ብዝሰርሑ ኣገባብት ጸዓት ምጥቃም፡ ነቲ ዘሎ ደውታ ንቕድሚት ዝደፍእን ንዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ቴክኖሎጂ’ውን ዘይጸሉን’ዩ።”

ካልእ ከም ኣማራጺ ዝቐርብ ከሰል’ዩ። ኑክሎራዊ ጸዓትን ባህርያዊ ጋዝን’ውን ካብቲ ዘሎ ዕድላት’ዩ።

ኣብታ ሃገር ብዝርአ ዘሎ ብዅረት ንጡፍ ለውጢ እምበኣር’ዩ ጽላት ዕደና እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ባዕሉ ክፈትሖ ኣንቂዱ ዘሎ።

ክኢላታት ከም ዝገልጹዎ፡ ብሰንኪ’ቲ ተደጋጋሚ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ጽላት ዕደና እታ ሃገር ኣብኡ ክምርኰስ ከም ዘይክእል ይጠቕሱ። በዚ ምኽንያት ድማ ባዕላቶም ከመንጭዉ ይግደዱ።

ብጸሓይን ንፋስን ዝምንጩ ሓይሊ ኣስታት 7% ናይ ጠቕላላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሃልኽ ጸዓት’ዩ።

ነቶም ትካላት ዕደና ካልእ ድፍኢት ድማ ብከላ ኣየር ንምጕዳል’ዩ። በዚ ምኽንያት’ውን ከሰል ከም ጽቡቕ ኣማራጺ ኣይርእዩዎን።

ካብ ትካል ዕደና ጎልድ ማይን ዝዀነ ማርቲን ፕሪሰ፡ ትካሎም ብከላ ካርቦን ንምጕዳል ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ ይሕብር። ነቲ ካርቦን ናይ ምጕዳል ወፍሪ ምስ ዘይሕወሱዎ ኣካል ፍታሕ ዘይኰነስ ተወሳኺ ጽዕንቶ ይፍጥሩ ምህላዎም ብምእምና ድማ ንዕኡ ዝኸውን መደብ ሓንጺጾም ይሰርሑ ምህላዎም ይሕብር።

እተን ዓቢ ሓይሊ ዝሓትታ ከም ዕድና ናብ ተተካኢ ጸዓት ምስ ዝሰግራ ንዝበዝሕ ተጠቃሚ ክስሕበኦ ይኽእላ’የን።እቲ ስራሕ ግን ግዜ ዝሓትት’ዩ።

XS
SM
MD
LG