ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስራሓት ህይወት ኣድሕን ንዝሕግዙ 10-ሽሕ ሰራዊት ተዋፍር


ኣብ ደርባን ዝጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ምዕልቕላቕን
ኣብ ደርባን ዝጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ምዕልቕላቕን

ኣብ በበይኑ ወገናት ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ንህይወት ኣሽሓት ኣፈናቒሉ፡ ዛጊት’ውን 443 ሰባት ከም ዝቐተለ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ትሕብር።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ቀረባት መብራህቲ፡ ማይን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ብምጥፍኡ ድማ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር 10-ሽሕ ሰራዊት ከም ዘዋፈረ እቲ ጸብጻብ ይውስኽ።

ዝናብ ብመጠኑ ተመሓይሹ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝሃረመ ግን ነቲ ዝነበረ ቅልውላው መሊሱ ከም ዘግደዶ ሰብ-መዚ ይሕብሩ። ካብ መንጎ’ቶም ሓደስቲ ምዉታት ድማ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ይርከቡም።

ደርባን ካብተን ብኸቢድ ዝተሃስያ ከተማታት ክትከውን እንከላ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንሰሉሰ መገሻ መዲቦም ዝነበሩ ፕረዚደንት ራማፎዛ’ውን ነቲ መደብ ከም ዝሰረዙዎ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG