ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ ብሞት ቀሺ ደስሞንድ ቱቱ ኣብ ሓዘን ትርከብ


ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ብሰንበት ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሚኦም ዝዓረፉ ሃይማኖታዊ መራሒን ተሓላቒ ሰላምን ቀሺ ደስሞንድ ቱቱ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ሃገራዊ ቅነ ሓዘን ኣዊጃ ኣላ።

ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋን ሰሙን፡ ደወል ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ኬፕ-ታውፕ፡ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ን10 ግዜ ክትድውል’ያ። ህንጻ ምምሕዳር ኬፕ-ታውን እውን ሃሳስ ቀይሕ ሕብሪ መብራህቲ ክውላዕን ሓዘንተኛታት ዝኽትምሉ ህዝባዊ መዝገብ ክቕርብን’ዩ።

ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ዝዀኑ ቀሺ ቱቱ፡ ኣንጻር ግዝኣት ዓሌታዊ ምሕደራ (ኣፓርታይድ) ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንዊሖም ዝተቓለሱ ኰይኖሞ፡ ኣብ ዓለም ብዝገበሩዎ ምሕላቕ ሰብኣዊ መሰላትን ይልለዩ።

ሞት ደስሞንድ ቱቱ ብሰንበት ወግዓዊ ዝገበሩ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪይል ራማፎዛ፡ “ምፍናው እቶም ሃይማኖታዊ መራሒን ተቓላሲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ እቶም ናጽነት ዘምጽኡ ተቓለስቲ ቀስ ብቐስ ይሰናበቱ ምህላዎም ዘዘኻኽር ምዕራፍ ኢዩ” ኢሎም።

ቀሺ ቱቱ ሃይማኖታዊ መራሒ ጥራይ ኣይነበሩን።

ህይወቶም ኣንጻር ዓመጽ፡ ብልሽውናን መጽቀጥቲን ኣብ ዝግበር ቃልሲ’ዮም የሕሊፎሞ።

ካብ ከተማ ኬፕ-ታውን ቀሺ ታቦ ማክጎባ ንቐሺ ቱቱ ክገልጹዎ እንከለዉ፡ “ኵሉ ኣብ መሬት ዝነበር ፍጡር ንናጽነት፡ ሰላምን ክብሪን ብማዕረ ከስተማቕር ዝቃለሱ ዝነበሩ” ክብሉ ይገልጹዎ። እቶም ቀሺ ወሲኾም፡ “ቱቱ ኣብ ኣምላኽ ስለ ዝኣምኑ ንኻልእ ፍርሒ ኣይነበሮምን። ስለዚ ከኣ’ዮም ሕማቕ ተግባራት ኣብ ዝርእዩሉ እዋን ትም ኢሉ ክሓልፉ ዘይክእሉን ብዘይ ፍርሒ ዝምጕቱን ነይሮም፡” ይብሉ።

ደስሞንድ ቱቱ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣገዛዝኣ ውሑዳን ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘካየዶ ቃልሲ ኣብ 1984 ሽልማት ሰላም ኖበል ወሲዶም።

ኔልሰን ማንዴላ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍታሖም’ውን እታ ቀዳመይቲ ናጻ ለይቲ ኣብ ቤት ደስሞንድ ቱቱ’ዮም የሕሊፎማ። ማንዴላ ኣብ 1994 ፕረዚደንት ኰይኖም ድሕሪ ምምራጾም’ውን ነቲ ወግዓዊ ጽንብል ዝመርሑን ነቲ ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ንህዝቢ ዘፈለጡን ቀሺ ቱቱ’ዮም ነይሮም።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣፓርታይድ ንኮሚሽን ሓቂን ዕርቂን ዝመርሑ ቀሺ ቱቱ፡ ነታ ሃገር ፍልልያ ቀቢራ ንቕድሚት ክትስጉም መሪሕ ተራ ዝተጻወቱ ምዃኖም ብሰፊሑ ይዝረብ። ብስርዓት ኣፓርታይድ ከቢድ በደል ይውረዶም ደኣ’ምበር፡ ዘርኣዩዎ ናይ ይቕረ ምባል ኣብነት ግን ብብዙሓት ተመጒሱ’ዩ።

ቀሺ ቱቱ፡ ከም ሰብ ኣዝዮም ተዋዛዪን ንዝዀነ ምትፍናን ብሰሓቕ ገይሮም ከህድኡዎ ዓቕሚ ዝነበሮምን ምንባሮም ፈለጥቶም ይዛረቡ።

ድሕሪ ሞቶም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን ስሙያን ወልቀ-ሰባትን ብሞት ቀሺ ቱቱ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደንን ኣብ ዘውጽኡዎ ናይ መግለጺ ሓዘን፡ “ብትብዓቶም ዘይቅየር ናይ ፍትሒ መስመሮምን ንፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽቐየር ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ፡” ክብሉ ገሊጾሞ።

ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ እውን ብዛዕባ ቱቱ፡ “መራሒ፡ ዓርኪን ብሶላን ኰይኖም፡ ቃልሶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደኣ የተኵር እምበር፡ ኪንዮ ዶባት ዝሰርግ፡ ኣንጻር ወጽዓ ደው ዝብሉ፡” ኢሎም ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን’ውን፡ ብሞት እቶም ቀሺ ዝተሰምዖም ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ “ንሓዳስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምፍጣር ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱን ብዋዛኦም ወትሩ ዝዝከሩን መራሒ” ምንባሮም ጠቒሶም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወገኖም፡ “ንወለዶታት ጽልዋ ዝገደፉን ኣድማሳዊ መራሒ ሰላምን፡ ኰኾብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ፡” ኢሎሞ ኣለዉ።

ኣብ ስደት ዝርከቡ ሃይማኖታዊ መራሒ ቲበት ዝዀኑ ደላይ ላማ’ውን ብተመሳሳሊ ንሰላምን ሰናይ ምዕባለ ሰብን ዝቃለስ ዓቢ ዓርኪ ምኽሳሮም ጠቒሶም።

ቀሺ ቱቱ ኣብ መበል 79ዓመቶም ጥሮታ ደኣ ይውጽኡ እምበር፡ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ብዝገበሩዎ ዝነበሩ ቃልሲ ግን ወትሩ ኣብ ቅድሚት’ዮም ጸኒሖም።

ሬሳ ቀሺ ቱቱ ንዓርቢ’ዩ ሓመድ ክለብስ።

XS
SM
MD
LG