ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ: ምሁራት ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎም ተገሊጹ


ደቡብ ኣፍሪቃ: ምሁራት ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:21 0:00

ደቡብ ኣፍሪቃ: ምሁራት ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎም ተገሊጹ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ምሁራንን ዝለዓለ እቶት ዝረኽቡዝገብሩ ዜጋታት እታ ሃገር ብብዝሒ ይስደዱ ብምህላዎም፡ መንግስቲ፡ ሃብቲ ንምምቕራሕ ዝገብሮ ፈተነ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ። ቀንዲ ተሃሰይቲ ድማ ሕጂ’ውን እቶም ዝተሓተ እቶት ዘለዎም ዜጋታት’ዮም።

ሓያሎ ደቡብ ኣፍሪቃውያን እዋን ምጥርናፍ ምዃኑ’ዮም ዝዛረቡ። እቶም ጠርኒፎም ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝቀዳደሙ ዘለዉ ድማ እቶም ፍሉይ ክእለት ዝውንኑን ተዛማዲ ዝሓሸ ናብራ ዘለዎምን’ዮም። እዚ እናዀነ ግን እታ ሃገር ገና ብቝጠባዊ ቅልውላው ትሳቐ’ያ ዘላ። ሽቕለት ኣልቦነት ዓብዩ፡ ገበናት ወሲኹ፡ ህዝብዊ ኣገልግሎታት ድማ በብእዋኑ የንቆልቍሉ ኣለዉ።

ወዲ-28 ዓመት ራሚዝ ማየት ኣብ ኒው-ዝላንድ ናይ ስራሕ ዕድል ምስ ረኸበ ጠርኒፉ ክኸይድ ከም ዘይተማተአ ይሕብር። ማየት ከም ዝገልጾ፡ ብተዛማዲ ርጉእ መነባብሮ ዘለዎም፡ ካብ ዘረፋ ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ ምዃኖም ይነግር። መኪናኡ ዓሺጉ ምስ ወረደ ውሕስቲ ክትጸንሖ ምዃና ወትሩ ከም ዝማታእ ዝሓበረ ማየት፡ ድሕነት ከም ዘይስምዖ ይነግር። ስለዚ ከኣ’ዩ ንሱን ስድራኡን ጠርኒፉ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣማራጺ ዘይኰነስ ግድነታዊ ምዃኑ ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጽ።

ፈርስት ናሽናል ባንክ (First National Bank) ዝተሰምየ ባንክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ19 ምምጻኡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ገዛውቲ ንመሸጣ ይቐርብ ነይሩ። እዚ ከኣ ሞያውያን እታ ሃገር ድሕሪ ናይ ደገ ዝረኸቡዎ ናይ ስራሕ ዕድል ምዃኖም እቲ ባንክ የመልክት።

ለበዳ ኮቪድ19 ነቲ ዝነበረ ፍጥነት ስደት ብመጠኑ የዝሕሎ ደኣ’ምበር፡ ሕጂ ግን መሸጣ ገዛውቲ ይውስኽ ኣሎ።

እቲ ካልእ ጠንቂ ስደተ ዝኸውን ዘሎ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብቶም ዝለዓለ እቶት ዘለዎም ዜጋታት እታ ሃገር ዝተኣታተወ ቀረጽ’ዩ።

ኣብ ፈርስት ናሽናል ባንክ (First National Bank) ላዕለዋይ ክኢላ ቍጠባ ዝዀነ ሲፋማንዳላ ምክዋንዚ (Siphamandla Mkhwanazi) ብዛዕባ ምእካብ ግብሪ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፣“ከምቲ ክንእክቦ ዝግበኣና መጠን ነዋህልል የሎናን። እቲ ግብሪ ክውሰኾም ዝተባህሉ መጠን ብዝሒ ድማ ኣይወሰኹን። ምስ ዘጋጥም ዘሎ ዝቕባበ ድማ እቲ መጠን ኣዝዩ ንእሽቶ’ዩ። እዚ ከኣ ሓደ ነገር’ዩ ዘብርሃልና። እቶም ግብሪ ክኸፍሉ ትጽቢት ዝግበሮም የለዉን።”

ኒው ዎርልድ ዊለዝ (New World Wealth) ዝተባህለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንመጠን ሃብቲ ዜጋታት ዝከታተል ትካል፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝዀነ’ሞ ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ዘርዚሩ ነይሩ።

ተመራመርቲ ከም ዝብሉዎ፡ ኣብ ገሊኡ ጽላታት ተዛማዲ ምርግጋእ ደኣ ይርአ እምበር፡ መጠን ስደተ ግን ንቝጠባ እታ ሃገር ይሃሲ ኣሎ።

ኣብ ትካል ኒው ዎርልድ ዌልዝ ንኣሃዱ መጽናዕቲ ዝመርሕ ኣንድሪው ኣሞይልስ (Andrew Amoils) እቲ ተኣሳስሪ ጕዕዞ ስደተ ብኸምዚ የብርህ፤ “ከም ዝመስለኒ ኣብ ጽላት ዋኒን ዝርአ ሰንሰለታዊ መስርሕ’ዩ። ሓደ ሰብ ወፍሪ ክገብር ምስ ዝደሊን ትካላቱ ኣብ ዘስፍሓሉን ካብታ ሃገር ክወጽእ እንከሎ፡ ሓደ ጠንቂ ከም ዘሎ የርእየና። እቶም ቀዲሞም ዓዲ ዝቕይሩ ድማ እቶም ዝለዓለ እቶት ዘለዎም’ዮም። ድሕሪኡ ድማ እቶም ማእከሎት ክላስ ንዓኣቶም ስዒቦም ሃገር ይገድፉ።”

እቶም ዝለዓለ ግብሪ ክኸፍሉ ትጽቢት ዝግበሮም ሃገር ገዲፎም ምስ ወጽኡ፡ መንግስቲ ነቶም ዝተሓተ እቶት ዘለዎም ክሕግዘሉ ዝኽእል መገዲ ኣይህሉዎን።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣስታት ፍርቂ ናይ 60 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝርከብ’ዩ።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን ምስዳድ ሰብ-ዋኒን ኣብታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ይምጉቱ። ኮሚሽነር ምእካብ ግብሪ ዝዀነ ኤድዋርድ ኬስወተር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስዳድ ናይ ሰብ ዋኒን ዓቢ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እንተዀነ ን40% ግብሪ እታ ሃገር 9% ዜጋታት ጥራይ ዝኸፍሉዎ’ዩ።

ክኢላታት ስነ-ቁጠባ ከኣ ናብ ዝተሓተ ወገናት ግብሪ ምውሳኽ ኣማራጺ ዘይምዃኑ ይሕብሩ። ኣብ ክንድኡ ከኣ ይብሉ እቶም ክኢላታት፡ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ስራሕ ምፍጣር’ዩ። ሕጂ 33% ስራሕ-ኣልቦ’ዮም። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ከኣ መንእሰያት’ዮም።

ንስደት ዝቀረረብ ዘሎ ራሚዝ ማየት ከም ዝገልጾ ድማ ንእሽቶ ሓዉ ሓዊስካ’ውን ትምህርቲ ምስ ወድኡ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣብ መስመር’ዮም ዘለዉ።

ስደት ዘስዕቦ ሃስያ ሕጂ ንምልካዑ ኣጸጋሚ ይመስል። እቶም ተሃሰይቲ ግን እቶም ብዘይ ኣማራጺ ኣብታ ሃገር ዝተርፉ ዘለዉ’ዮም።

XS
SM
MD
LG