ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን: 10 ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕ/ሃ ሃለዋቶም ምጥፍኡ ተገሊጹ


ኣብ ደቡብ ሱዳን በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ንፁር ብዘይኮነ ኩነታት ኢሎም ዝገለፁዎ ዓሰርተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ተፈሊጡ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣላይን ኖውደሁ ትማሊ ረቡዕ ንቶም ሰራሕተኛታት ሒዘን ካብ የዪ ናብ ቶረ ይጉዓዛ ዝነበራ ኮንቨይ ኣበይ ከምዝኣተዋ ኣይፍለጥን ኢሎም።

‘’እዞም ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ሃለዋቶም ምጥፍኡ ኣዚዩ ኣሻቒሉና’ሎ፤ሓበሬታ ብቕልጡፍ ንደሊ ኢና’’ኢሎም።

ካልኦት ጉጅለ ሰራሕተኛታት ብዕጡቓት ምስተጨወዩ ድሕሪ ማዕልታት እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ።ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሰራሕተኛታት ብዕጡቓት ክጭወዩ እዚ ንሳልሳይ ግዜ ምዃኑ እቶም ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG