ኣብ ደቡብ ሱዳን ፃውዒት ንተቓውሞ ሰልፊ ድሕሪ ምቕራቡ ሎሚ ሶኑይ ኣገልግሎት ኢንቴርነት ከምዝተቋሪፀ ዝበፅሐና ዜና ኣፍሊጡ። ሓይልታት ፀጥታ'ታ ሃገር'ውን ኣብ ጎደናታት ክሕልው ይርኣዩ።ተሓለቕቲ መሰላት (ኣክቲቪስት) ኣንፃር መንግስቲ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ተቓውሞ ንምስማዕ ድሕሪ ምፅውዖም ነበርቲ ካብ ውሽጢ ገዛውቶም ኣይወፁን።
ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሎሚ ሶኑይ ንጉሆ ንኣባላት ፓርላማ መደረ ከስምዑ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።ጥምረት ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት (ኣክቲቪስት) ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘካየዱዎ ህዝባዊ ኣኼባታት ፕረዚደንት ሳልቫኪር ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ሓቲቶም ኣለው።
ፖሊስ እቶም ኣክቲቪስት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ፍቓድ ስለዘይሓተቱ ዝካየድ ዓብይ ሰልፊ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።
ንሮይተርስ ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ ጁባ ትማሊ ሰንበት ምሸትን ሎሚ ሶኑይ ንጉሆን ኣገልግሎት ኢንቴርኔት ምቁራፁ ገሊፆም።
ብሮይተርስ ዝተሓተቱ ምኽትል ሚንስትር ሓበሬታ ባባ ማዳን ስራሕ በዚሑኒ ብዝብል ብዛዕባ'ቲ ምዕፃው ኢንቴርኔት ርእይቶ ኣይሃቡን።