ዋሽንግተን —
ደቡብ ሱዳን ምስ ኣሃዱ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጥርነፉ 750 ኣባላት ሰራዊት ንዓቃብ-ሰላም ኣሃዱ ደሞክራሲያዊ ኮንጎ ትልእኽ ኣላ። እቶም ኣባላት ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ነቲ ብምራብቕ ኣፍሪቃ ዝጥርነፍ ኣሃዱ ካብ ኬንያ፡ ብሩንዲ፡ ኡጋንዳን ዝጸንበሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
እዞም ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዊሶም ናብቲ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝለኣኹ ዘለዉ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጕጅለ ኤም23ን ሰራዊት እታ ሃገርን ንዝተፈጥረ ቅልውላው ንንምህዳእ ብዝብል ዕላማ’ዮም።
ኣብ ምፍናው እቶም ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ዝተረኸብ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፡ እቶም ኣባላት ንሃገሮም ከጽውዑን ካብ ዘየድሊ ተግባራት ገበናትን ጾታዊ ዓመጽን ክቝጠቡን ኣዘኻኺሩ።
ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኣንጀሊና ተንይ፡ እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣሃዱ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ንኸዋጽኡ ምሕታቱ ሃገራ ብኣወንታ ከም እትርእዮ ተዛሪባ። እታ ሚኒስተር ወሲኻ ምልኣኽ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት “ነታ ብብዙሕ ቅልውላው እትሳቐ ዘላ ሃገር ጽቡቕ ምስሊ ዝህብ’ዩ፡” ኢላ።
ደቡብ-ሱዳናውያን ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣብታ ማእከል ቅልውላው ኰይና ዘላ፡ ጎማ እትብሃል ከተማ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክዕስክሩ'’ዮም።