ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን፤ ሕ/ሃ ብሰንኪ ግጭት ዓሌታት ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ነገድ ብዘጋጠመ ደማዊ ግጭት ኣብ ምብራቕ ደቡብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ጆንግለይ 30,000 ዝግመቱ ሰባት ምምዝባሎም ኣፍሊጦም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣዋሃሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት(ኦቻ) ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ሙርለን ኑዌርን ብዘጋጠመ ግጭት ካብ ከባቢያዊ ምምሕዳር ግሬተር ፒቦር 30,000 ሰባት ካብ መረበቶም ሃዲሞም ኢሉ።ብመሰረት ሰበስልጣን በቲ ግጭት ኣስታት 60 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

እቲ ተደጋጋሚ ሽግር ኣብ መንጎ መንእሰያት ናይ ክልቲኦም ማሕበረሰባት ብዝልዓል ግጭት ምዃኑ ፀብፃባት ይሕብሩ።ወራር እንስሳት፣ዕንወት ንብረትን ምምዝባል ሰባት ኣስዒቡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ግሬተር ፒቦር ዝኾነ ጆን ካካ ናይቶም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ድልየት ዝልዓለ ምዃኑን ለበዳ ሕማም ከይልዓል ስግኣት ከምዘሎን ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG