ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን:ሕ/ሃ ሓያል ዝናብ ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ከቢድ ጉድኣት የብጽሕ ምህላው ገሊጹ


ኣብ ደቡብ ሱዳን ብተደጋጋሚ ዝወቅዕ ዘሎ ሓያል ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ ንብምሉእ ኮሚኒቲታት ይጸራርጎ ከም ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣራፋት ጀማል ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ክትገልጽ ከላ፡ ኣብታ ሃገር ውሕጅ ሓዲሽ`ኳ እንተዘይኮነ፡ ጻዕቕን ተደጋጋምነትን ግን ሓዲሽ`ዩ ኢላ። ዛጊት ልዕሊ 700, 000 ሰባት በቲ ዘየባሪ ውሕጅ ከምዝተሃስዩ`ውን ትገልጽ።

እታ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ናይ ሎሚ ዘመን ውሕጅ ዝርአ ዘሎ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብሰለስተ ነገራት ግጭት፡ ኮቪድ ከምኡ ድማ ጥምየት`ዩ ኣብ ስግኣት ኣብ ዝርከበሉ እዋን`ዩ ትብል ።

XS
SM
MD
LG