ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ከረን ዝቐሰምኦ ሞያ ብቁጠባ ነብሰን ንኽኽእላ ከምዝሓገዘን ገሊጸን


ብሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ዝተፈጠረልና ሞያዊ ስልጠና ምንጪ ቁጠባ ብምርካብ መነባብሮና ኣብ ምምሕያሽ ሓጊዙና ክብላ ተጠቀምቲ ናይቲ ስልጠና ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ከተማ ከረን ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪበን።

"ዝቐሰምክዎ ሞያዊ ስልጠና ፡ነብሰይ ክኢለ ንካልኦት ከማይ ደቂ ኣንስትዮ ክምህር ሓጊዙን" ዝበለት መምህር ኣፍራሕ ኣድም ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ዕድል ክረኽባ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

ናይ ካይላ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ምውሳድ ትርከብ መንእሰይ ቤተኤል ኣፈወርቂ ብወገና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ገዝአን ወጺኤን ዝኾነ ሞያ ቀሲመን ነብሰንን ስድራቤተነን ከመሓይሻ መኺራ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG