ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ፖለቲካዊ መስርሕ’ታ ሃገር ንደቂ ኣንስትዮ ክፉት ክከውን ይጽውዓ


መራሕቲ ወታደራዊ ስርዓትን ተቓወምቲን ሱዳን ምምቕራሕ ስልጣን ኣብ ግብሪ ምውዓል ክጅምሩ ከለው ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ መስርሕ ንደቂ ኣንስትዮ ክፉት ክገብሩ ናይታ ሃገር ተሓለቕቲ መሰላት (ኣክቲቪስት) ይፅውዑ ኣለው።

ሱዳን ነፃ ካብ እትውፅእ መብዛሕቲኡ 63 ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ባህላዊ ስርዓትን ካልኦት ፀቕጥታትን ኣብ ፖለቲካ ክሳተፋ ከይተፈቐደለንን ጸኒሑ'ዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ብወገነን ኣብ እዋን 30 ዓመታት ስርዓት ፕረዝዳንት ዑማር ኣል-በሽር ተገሊልና ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ንምስታፍ ዕድል ኣይረኸብናን ይብላ።

ናብ ምምቕራሕ ስልጣን ኣብ ዘምርሐ ተቓውሞታት ሱዳን ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዓዐለትን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ትቃለስን ማናል በሽር ደቂ ኣንስትዮ ንመሰለን ክልዓላ እዋኑ ሎሚ እዩ ኢላ’ላ።

XS
SM
MD
LG