ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቀባት ኣመሪካ መዓልቶም ኣብ ዝዘከሩሉ


ደቀባት ኣመሪካ መዓልቶም ኣብ ዝዘከሩሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:23 0:00

ደቀባት ኣመሪካ መዓልቶም ኣብ ዝዘከሩሉ

ካብ 1930ታት ኣትሒዙ ኣብ ኣመሪካ፡ መዓልቲ ኮሎምቦስ ሃገራዊ በዓል ኰይኑ ክዝከር ጸኒሑ። እዛ መዓልቲ ነቲ ንኣመሪካ ምድህሳሱ ዝሕበረሉ ኮሎምቦስ፡ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣትሒዛ ዝኽሪ መዓልቲ ደቀባት ተባሂላ’ውን ክትዝከር ጀሚራ ኣላ። ደቀባት ነባሮ ከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ ግን ነዛ መዓልቲ ንዓመታት ክጽንብሉዋ ጸኒሖም’ዮም።

ከቪን ኑነዝ ከም ኣጸዋውዓ ሕብረተሰቡ ርእሰ-ኣርሓ ዓሌት ቶንግያ’ዩ። ዓሌት ቶንግያ፡ ኣብ ከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ ቅድሚ ክሪስቶፈር ኮሎምቦስ ናብ ገማግም ኣመሪካ ምጅላቡ’ዮም ክነብሩ ጸኒሖም።

ኣብ 2018 ሎስ-ኣንጀለስ መዓልቲ ደቀባት ምስ ኣኽበረት፡ ኑነዝ ዓሌት ቶንግያኣ ከመይ ኢሎም ሕማማት ከም ዝፍውሱ ንእሽቶ መርኣያ ኣብነት ሰሪሑን ኣቕሪቡን።

ሎሚ ኑነዝ ነዞም ምልክታት ፍወሳ ዝዀኑ ጥረ-ነገራት እቲ መዓልቲ ኣብ ዝዝከረሉ እዋን የቕርቦም።

“እቲ ቀንዲ ምርኣይ’ዩ። ሰብ ክርእየናን ከስተብህለልናን ምስ ጀመረ ከም ዝነበርና’ውን ክፈልጥ’ዩ። ብህይወት ምንባርና ምስ ፈለጡ ድማ ታሪኽና ክንነግር ክንጅምር ኢና። ድሕሪኡ ድማ ነቲ ዝምድናታት ፈጢርና ነቲ ናይ ምብህሃል ድልድል’ውን ከነጽብቦ ንኽእል።”

ታሪኽ ደቀባት ዓሌት ቶንግያ ኣብ 1771 ዓቢ መቕየሮ ኣርእዩ። ሃይማኖታዊ ልኡኽ ስጳኛ ቅዱስ ገብሪኤል ኣብ ካሊፎርኒያ ስብከት ምስ ጀመሩ፡ እቶም ደቀባት ክጥመቑን እምነት ክርስትና ክቕበሉን ተገዲዶም። ነቶም ገዛእቲ ስጳኛውያን’ውን ብናጻ ጎልበት ክሰርሑ ጀሚሮም። ድሕሪኡ ተጠሚቖምስ ጋብረሊኖስ ዝብል ስም ክሕዙ ተገዲዶም።

ገለ ካብቶም ደቀባት ነቲ ዘጋጠመ በደል ኣይተሓኸኸን። ኣርት ሞራለስ ብዛዕባኡ ክዛረብ እንከሎ፤

“ቋንቋና፡ ታሪኽናን ስምናን ወዲሶሞ። ክንጥመቕ ተገይሩ፣ ስምና’ውን ሕጂ ክምዝገብ ኣይክእልን ዘሎ። ገለ ክፋል ካብ ታሪኽና ከንጠፍእ ተገዲድና ኢና። ቋንቋና ከይንዛረብ ተኸልኪልና። ብሓፈሻኡ ኣካልና ተቐንጢጡ ተወሲዱ’ዩ።”

ቋንቋ ቶንግያ ኣብ ኣፈፈት ምጽናት’ዩ ዘሎ። ንምዕቃቡን ዳግም ምብርባሩን ግን ተበግሶታት ይውሰድ ኣሎ።

ኣብታ ዝበዝሑ ደቀባት ሒዛ ምህላዋ ዝንገረላ ከተማ ሎስ-ኣንጀለስ ንደቀባት ዝሕግዝ ብዙሕ ተበግሶታት ይውሰድ ኣሎ። ገለ ካብኡ ብደቀባት ዝቖመ ኮሚሽን ኣጣይሳ መግቢ፡ መጽላሊን ትምህርቲን ኣብ ምቕራብ ትሰርሕ ኣላ። ዝያዳ ኵሉ ድማ ምምሕዳር ከተማ ሎስ ኣንጀለስ መዓልቲ ደቀባት ተኸቢራ ክትበዓል ገይሩ።

እዛ መዓልቲ ኣብ ክንዲ ብዝኽሪ ኮሎምቦስ፡ ብመዓልቲ ደቀባት ክትጽዋዕ ሩፍታ ዝህብ ምዃኑ ደቀባት ይምስክሩ። ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ኮሚሽነር ደቀባት ኣመሪካ ዝዀነት ኪምበርሊ ሞራልስ ጆንሶን ብዛዕባ’ዛ መዓልቲ ኣመልኪታ ክትዛረብ እንከላ ከምዚ ትብል፤“መዓልቲ ኮሎምቦስ ኢልና ንጽንብል ዘይምህላውና ዓቢ ዓወት’ዩ። ኮሎምቦስ ፈጻሚ ጽቡቕ ግብሪ ዘይምዃኑ ኣብ ታሪኽ ተቐሚጡ ኣሎ። ሕጂ እምበኣር በዛ መዓልቲ ኣቢልና ታሪኽና ክንጽንብል፡ ባህልና ከነካፍል፡ ልምድና ከነላሊን ዕድል ረኺብና ኣሎና።”

ሕማቕ ሓድግታት ክሪስቶፈር ኮሎምበስ ካብ ዝኽሪ ነባሮ እታ ከተማ ንምእላይ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ዝነበረ ሓወልቲ ኮሎምቦስ ብ2018 ፈሪሱን ተኣልዩን’ዩ።

እንተዀነ ኣብተን ብዙሓት መጻእቲ ኢጣላውያን ዝርከቡወን ከተማታት ከም በዓል ኒው-ዮርክ መዓልቲ ኮሎምቦስ ገና ይበዓል ኣሎ። ኮሎምቦስ ኢጣልያዊ ብምንባሩ ድማ ነቶም ካብታ ሃገር ዝተሰደዱ ኣመሪካውያን ብሓበን ዝዝክርሉን ፖለቲከኛታት ከይተረፉ ዝዀርዕሉን’ዩ።

XS
SM
MD
LG