ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደስታ [ርእሶም] ሃይለ፤ ነቲ ሽሮ ጠስሚ ወረሮ


ደስታ [ርእሶም] ሃይለ፤ ነቲ ሽሮ ጠስሚ ወረሮ
please wait

No media source currently available

0:00 0:18:30 0:00

ደስታ [ርእሶም] ሃይለ፤ ነቲ ሽሮ ጠስሚ ወረሮ

ጓሉ ንህቡብ ገጣሚን ተሸላሚ ስነ-ጽሑፍ ራይሞክን (1998) ዶክተር ርእሶም ሃይለ ዝዀነ ደስታ ሃይለ፡ ኣብ ብዙሕ ወገናት ኣሰር ኣቦኣ ሒዛ ዘላ ስነ-ጥበበኛ’ያ። ንደስታ ብዛዕባ ጽልዋ ኣቦኣ፡ ስራሓታን ካልእ ኣርእስታትን ኣዘርሪብናያ ኣሎና።

ሕቶ፤ ምስ ጓል ዘፍቅሮ ገጣሚ ርእሶም ሃይለ ክውግዕ ዕድል ምርካበይ እናመስገንኩ፡ ንምጅማር ክዀነና፡ “ደስታ” ዝብል ብኸመይ’ዩ ውጺኡልኪ?

ደስታ ሃይለ፤ ደስታ ከምቲ ሰማዕቲ ክግምቱዎ ዝኽእሉ፡ እቲ ስም ሓጎስ ዘመልክት’ዩ። እቲ ስም ከኣ ንኽብሪ ደስታ ባይሩ፡ ማለት ማማ ደስታ ዝወጸ’ዩ። ደስታ ከሻኒት ዝነበረት’ያ። ከም ዝመስለኒ ኣብቲ እዋን’ቲ--ኣብ 197ታት ምዃኑ’ዩ--ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝነበረ ኣምባሳድር ኢትዮጵያ’ያ መግቢ ተዳሉ ነይራ። ዳሕራይ ክግንዘቦ ከም ዝኸኣልኩ፡ ማዕጾ ገዛኣ ክፉትን ወትሩ ኣጋይሽ ምስ ተቐበለትን’ያ። ነቶም ናብ ኣመሪካ ዝመጹ ኤርትራያን--መብዛሕትኦም ዘለዎም ዘይብሎምን ቋንቋ እንግሊዘኛ’ውን ንምዝራብ ዝጽገመኡን--ጽላል’ያ ነይራ። ገለ ካብኣቶም በዓል ኣቦይ’ዮም። ግቡእ ክንክን ከም ዝረኽቡን ከም ዘይጋየሹን ክትገብሮም ክኢላ’ያ። ከም ዝመስለኒ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ዓቢ ጦብላሕታ ስለ ዘሕደረት ብስማ ክጽዋዕ መሪጹ።

እዚ ስም ካልእ ምትእስሳር’ውን ኣለዎ። ዳሕራይ ብፈለጥቱን መምህርቱ ዝነበሩን፣ ብቐንዱ ከኣ ካብ እዋን ተመሃራይ ኣብ ኮምቦኒ ኣስመራ ከሎ ዝገዝኦ ዝነበረ መጽሓፍቲ፡ ቀጻሊ፡ “ተደሰቱ”፡ “ተሓጐሱ” እናበለ’ዩ ዝፍርም ነይሩ። ሓጐስን ደስታን ቀንዲ ኣዕኑድ ኣቦይ ስለ ዝነበራ ከኣ’የ መስለኒ በዚ ስም’ዚ ክጽዋዕ ተመሪጸ።

ሕቶ፤ ንደስታ ብኣካል ረኺብክያ ትፈልጢ’ዶ?

ደስታ ሃይለ፤ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣይረኸብኩዋን። ኣብ 2020 ማዩክ ሰን ኣብ ቮክስ (Vox.com) ኣዝዩ ጽቡቕ ጽሑፍ ብዛዕባኣ ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ዝግበኣ ክብሪ ዝህብን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝስንድን’ዩ። ደስ ዝብል ጽሑፍ’ዩ ነይሩ። ገለ ስእልታት ርእየ ነይረ። ክሳብ’ቲ ዝሓልፈ ዓመት ኣብ ቮክስ. ዝወጸ ጽሑፍ ግን ብዛዕባ እኹል ኣፍልጦ ነይሩኒ ክብል ኣይክእልን።

ሕቶ፤ ብዛዕባ መንነትኪ ክሓተኪ። ኣቦኺ ኤርትራዊ’ዩ ኣደኺ ድማ እንግሊዛዊት፡ ኣብ ብዙሕ ዓድታት’ውን ተቐሚጥኪ ኣለኺ። ደስታ ክትብሃል ከላ’ስ መን’ያ?

ደስታ ሃይለ፤ ዝተሓላለኸ ነገር’ዩ። ንምሕጻር ዝኣክል ብዙሕ ግዜ ፍርቂ ኤርትራዊት ፍርቂ ከኣ እንግሊዛዊት እየ ዝብል--ስድራይ ካብኡ ስለ ዝዀኑ። እቲ ነገር ግን ኪንዮኡ ዝተጠናነገ’ዩ። ኣብ ታይላንድ ተወሊደ፡ ኣብ በርበዶስ ዓብየ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣይቨሪኮስት፡ ጆርዳን ብንእሽቶይ ተቐሚጠ። ስለዚ ከሕጽሮ ኢለ ጥራይ ኤርትራዊት-እንግሊዛዊት’የ እብል። ስድራይ ግን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቦታታን ተቐሚጦም’ዮም። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓሰርተ ሃገራት ተቐሚጠ ኣለኹ። እዚ ከኣ ኣብ ስራሓተይ ኣተሓሳስባይን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ ኢለ እኣምን።

ሕቶ፤ ንስኺ ጓል ዓቢን ፍሉጥን ገጣሚ ርእሶም ሃይለ ኢኺ። ጽልዋ ናቱ ኣብ ስራሕኪ ከመይ ይመስል?

ደስታ ሃይለ፤ ኣብ ቃላት ከተቐምጦ ብሓቂ ከቢድ’ዩ። ከም ዝመስለኒ ግን እቲ ዝዓበየ ጽልዋኡ ኣብ ልዕለይ ግን ደጋጊሙ ከም ዘፍቅረኒ፣ በላሕ ምዃነይ ክነግረኒ፣ ኣብ ዝሓዝኩዎ ነገር ክፍጽሞን ጽቡቕ ክዓዮን ዓቕሚ ከም ዘሎኒ ከረጋግጸለይ ምኽኣሉ’ዩ። እዚ ዓይነት ምትብባዕ ድማ ፈታሺን ሓታቲን ባህሪ ክህልወኒን ከይፈራሕኩ ክፍትንን ኣኽኢሉኒ ይመስለኒ።

ኣቦይ ወትሩ ፍሱህ ሰብ’ዩ ነይሩ። ሰሓቕን ጸወታን ኣየቋርጽን፡ ኵሉ ግዜ ከኣ ምስ ፈጠራይ’ዩ ዝነብር። ፈጣራይ ጥራይ’ውን ኣይኰነን፡ ዋላ ኣገላልጻኡ’ውን ወትሩ ፍሉይነቱ ዘንጸባርቑ’ዮም ነይሮም። ሓደ ካብቲ ሓድግታት ኣቦይ ኣብ ዘለኻዮን ዝመረጽካዮን ዓውዲ በሊጽካ ክትውጽእ’ዩ ዝደሊን ዝደፍእን።

ነ’ቦይ ኣብ በበይኑ ገጻት ርእየዮ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ኣዝዩ ዝፍስሃሉ ግዜ ግን ግጥሚ ከንብብ እንከሎ’ዩ ነይሩ። ከመይ ይስምዖ ከም ዝነበረ ክንገረኒ’ውን ኣየድለዮን። ክገጥም እንከሎ ክዕዘቡ እንከለኹ ግን ኣብ ፍሉይ ዓለም ከም ዝኣቱ ክርዳእ ኣይጸገመንን። ሕጂ’ውን ብቓላት ክትገልጾ ኣዝዩ ከብዲ’ዩ። ግጥምታቱ ከንብብ እንከሎ ዘርእዮ ዝነበረ ፍሉይ ፍስሃ ግን ካብቲ ኣዝዩ ዝሕጐሰሉ እዋናት ምንባሩ ክርድእ ክኢለ። ክገጥምን ብዛዕባ ዓዱ ዘለዎ ፍቕሪን ክርእዮ እንከለኹ ድማ ዘይሕከኽ ጦብላሕታ ሓዲጉለይ።

ሕቶ፤ ብህይወት እንከሎ ግጥሚ ወይ ካልእ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ትሰርሒ ኔርኪ’ዶ?

ደስታ ሃይለ፤ ኣቦይ ክመውት እንከሎ’የ 18 ዓመት መሊአ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ባህላዊ ስራሓት እነጥፍ ነይረ። ጓል 10 ወይ 11 ዓመት እንከለኹ፡ ንዕኡ ዝገጠምኩዋ ግጥሚ ከንብበሉ ይዝከረኒ። እታ ህሞት’ዚኣ ኣቦይ ክነብዕ ንፈለማን መወዳእታን እዋን ርእየዮ። ሓንቲ ንጣብ ንብዓት ኣብ ገጹ ነይራ። ብዙሕ እዋን ሰብኡት፡ እሞ ከኣ ኤርትራውያን ሰብኡት ክነብዑ ኣይትርኢን ኢኻ። ስለዚ እዚኣ ሓንቲ ካብተን ጦብላሕታ ዝገዳፋለይ እዋን’ያ ነይራ።

ሙዚቃ ብሞያዊ ዓይኒ ክጻወቶን ኣዕቲበ ክሕዞንን ዝጀመርኩ ግን ምስ ሞተ’ዩ። ካብ ቀደሙ ግን ቀጻሊ ዘተባብዓኒ ሰብ’ዩ ነይሩ። ናብ ብዙሕ ባህላዊ ምርኢታት ብሓንሳብ ኬድና ኣሎና። ካብ 14-15 ዓመታት ኣትሒዘ ክርእዮ ንዝደለኹ ነገራት ቀጻሊ የሰንየኒ ነይሩ። ሙዚቃ ድዩ ወይስ ካልእ ኣጋጣሚታት ወትሩ ምሳይ ይመጽእ ነይሩ።

ፍሉይ ናይ ሙዚቃ ምስትምቓር ነይሩዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ኣብ 1960ታት D.J.’ዩ ነይሩ። ኣብ ረድዮ ኢትዮጵያ’ውን ይሰርሕ ነይሩ። ኣብኡ ንብዙሓት ሙዚቀኛታት’ውን ቃለ-መሕተት ኣካዪዱ’ዩ። ኣቦኡ--ብቐሺ ዝዓበየ ኰይኑ--ሙዚቀኛ ምንባሩ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ፈሊጠ። ስለዚ ሙዚቃ ኣብ ደሙ’ዩ ነይሩ።

ስለዚ ከኣ ኣነ ኣብ ሙዚቃ ክኣቱን ብሞያ ደረጃ ክሕዞን ዘየቋርጽ ምትብባዕ ነይሩዎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ንጥፈታት ቀጻሊ ኣብ ጎነይ ነይሩ። ፈለማ ዝጸሓፍኩዋ ግጥሚ’ውን ኣንቢቡዋ’ዩ። ናይ ፈለማ ብሞያ ሒዘ ዝገበርኩዎ ሙዚቃዊ ምርኢት ግን ሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪ ሞቱ’ዩ ነይሩ።

ሕቶ፤ ብዛዕባኺ’ውን ግጥሚ ጽሒፉ ነይሩ “ደስታ” እትብል። ነታ ግጥሚ ኣንቢቡልኪ ይፈልጥ’ዶ?

ደስታ ሃይለ፤ እወ ግድን እምበር። ንፈለማ እዋን ንኤርትራ ሒዙኒ ዝኸደ ጓል ሽዱሽተ ዓመት እንከለኹ’ዩ መስለኒ። እቲ ጕዕዞ ስድራቤቱ ምርካብ፡ ኣበይ ከም ዝተወልደን ዝዓበየን ምርኣይ፡ ንኣፈልባን ምጽዋዕን ምብጻሕ ኮታስ ካብቲ ዘይርስዖ እዋን’ዩ ነይሩ።

ሕቶ፤ ብዛዕባ ኣቦኺ ዝፈልጥ ውሑድ’ዩ ዝፍለጥ’ሞ ቍሩብ ክትነግርኒ። ከም ኣቦ--ኣብ ገዛ--ከመይ’ዩ ነይሩ?

ደስታ ሃይለ፤ ሕጂ’ውን ከምቲ ዝቐደመ ብቓላት ከተቐምጦ ቀሊል ኣይኰነን። ግን ሓጐስ ዝፈቱን ወትሩ ሕጕስን ሰብ’ዩ ነይሩ። ኣብ ቀጻሊ ፈጠራ ዝነበር ሰብ። ዝያዳ ኵሉ ግን ንፉዕ ከሻኒ’ውን ነይሩ። መሓዝቱይ ኣዝዮም’ዮም ዝፈትዉዎ ነይሮም። ደስ ዘብል እካቦ መጽሓፍቲ’ውን ነይሩዎ። ንዓይ ሕጂ ሓጎስ ዝፈጠርለይ፡ ኣካቢ ስራሕት ስእሊ’ውን ነይሩ። ሓሳባቱ ኣጸቢቑ ክገልጽ ዝኽእል ሰብ’ዩ ነይሩ። ክትገልጾ ከቢድ’ዩ። እቶም ዝፈልጡዎ ግን ወይ ኣጸቢቖም ዝፈትዉዎ ወይ ድማ ዝጸልኡዎ’ዮም ነይሮም። ፈለጥቱ፡ ብዛዕባኡ ማእከላይ መርገጺ ኣይነብሮምን። ወይ ዘምልኹዎ ወይ ድማ ዝጸልኡዎ’ዮም። ንሱ ግን ሰባት ብዛዕባኡ እንታይ ኢሎም ዝገድሶ ሰብ ኣይነበረን። ወትሩ ሕጕስ’ዩ።

ንዓይ ኵሉ ነገር’ዩ ነይሩ። ኣዝዩ ፈቃር፡ ኣዝዩ ፈጠራዊ.. ብቐንዱ ግን ከምዚ ዘለኹዎ ንክኸውን ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ሰብ’ዩ።

ሕቶ፤ ስራሓቱ ንምዕቃብ ትገብርዮም ንጥፈታት ኣሎ ዲዩ ሕጂ?

ደስታ ሃይለ፤ ኣብ 1970ታት ዝጸሓፋ ቴማ ነይራ፡ ኣብዚ ናይ ውሸባ እዋን ረኺበያስ ንማሕተም ኣብቂዐያ። እዛ ጽሕፍቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብሪትል ፐፐር (Brittle Paper) ኢያ ተሓቲማ። ምስ ማርኬት 54 ግጥምታቱ ናብ ዝሰፍሐ ተኸታታሊ ንምብጻሕ ዘርጊሕናዮ። መጽሓፍቱ ሰብ ብናጻ ከም ዳልዩ ኣራጊፉ ንኸንብበን’ውን ጽዒነየን። ግጥምታቱ’ውን ኣብ ሳውንድ-ክላውድ ገይረ ሰማዒ ብናጻ ክረኽቦ ከም ዝኽእል ገይረ ዘርጊሐዮ ኣለኹ። ብዛዕባኡ ክገብሮ ዝደሊ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ሓደ ካብኡ ኣብ ኣስመራ፡ ብስሙ ዝጽዋዕ ቤት ትምህርቲ ክኸፍት ምደለኹ። ሓደ መዓልቲ ንኽብሪ ኣደኡ--ኣኽብረት-- ማህደረ-ትምህርቲ ክጅምር ምፈተኹ። ኣደኡ’የን ኣብ መበል 15 ዓመተን ፊደላት ዘቝጽሮ ቀሺ ረኺበን ህይወቱ ንዅሉ ግዜ ከም ዝቕየር፣ ብእኡ ኣቢሉ’ውን ህይወተይ ከም ዝቕየር ገይረን። ስለዚ ኣደይ ኣኽበረት ነቦይ ደኣ የምህራ እምበር ባዕላተን ንምህርቲ ዕድል ስለ ዘይረኸባ ንኽብረን ዝኸውን ማህደረ-ትምህርቲ ክጅምር እሕልም። ኣቦይ’ውን ነዚ ኣጸቢቑ ተረዲኡዎስ ከም ዝመስለኒ’ውን ቀዳማይቲ መጽሓፉ ነደኡ’ዩ ወፍዩዋ።

ኣቦይ ኣብ ብዙሕ ዓይነታት ስራሕ ከም ምምሃር፡ ምኽሪ ምሃብን ካልእያብ በበይኖም ዕዮታት ይንጠፍ ደኣ’ምበር፡ እቲ ኣዝዩ ዝሕጐሰሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ናይ ፈጠራ ዓለም’ዩ። ንፈጠራዊ ዕዮ ግዜ ምሃብ’ውን ምሂሩኒ’ዩ--ነዚ’ውን ብገለ መገዲ ዝግበኦ ክብሪ ክህቦ እፈቱ።

ሕቶ፤ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኸይደ ክልተ ውድድራት ስነ-ጽሑፍ ተዓዊትኪ ኔርኪ። ሓደ ካብኡ ብኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ-እንግሊዛዊ ሱሌማን ኣዶንያ ዝተደለወ ክኸውን እንከሎ ካልኣይ’ውን ነይሩ። ብዛዕባ’ቲ ዝተዓወትኩሉ ውድድር’ዶ ክትነግርኒ?

ደስታ ሃይለ፤ እታ ቀዳማይቲ “To Speak Europe in Different Languages” (“ንኤውሮጳ ብሓያሎ ቋንቋታት ምዝራብ”) ብዝብል ብሱሌማን ኣዶንያ ዝተወሃሃደሞ ብኤውሮጳዊ ባህላዊ ማእከል ዝተመወለ’ዩ ነይሩ። ቅድሚኡ እዋን ዝዀነ ጽሑፍ ንውድድር ሰዲደ ኣይፈልጥን’የ ነይረ። ሽዕኡ ግን ግዜ ውሸባ’ዩ ነይሩ፡ ካልእ ብዙሕ ዝገብሮ ንጥፈታት’ውን ኣየንበረን። ስለዚ ዘይፍትን’ከ ኢለ ነቒለ።

እቲ ዛንታ ምስ ሓትነይ ዝተኣሳሰር’ዩ ነይሩ። ኣነ ብህይወት ኣየርከብኵላን ገና ብሸዓኡ ብሕማም መንሽሮ’ያ ኣብ 1960ታት’ያ ዓሪፋ። ግን ሓደ ድንቂ ዝዀነ ናይ መሬት ጕዕዞ ካብ ዓዲ-እንግሊዝን ንታህራን ኢራን ምስ መሓዛኣ ኣካዪዳ ነይራ። እቲ መገዲ እሞ ከኣ ክልተ ኣንስቲ ኣብ 60ታት ከምኡ ዝመስል ዕዉትን ፍሱህን ጕዕዞ ከካይዳ ንባዕሉ ዘቕንእ’ዩ። ኣብ መገዲ ዝተዓዘብኦ ብዙሕነት ባህሊ፡ ዝረኸበኦም ሰባት፡ ህዝብታት ወዘተ. ተዘካሪ’ዩ ነይሩ። ሓትኖይ’ውን ስነ-ጥበበኛ’ያ ነይራ። ዝገርመካ ብኽልተ ወገና ስድራይ ናይ ኤርትራን ዓዲ-እንግሊዝን ካብ ሓረስቶት ስድራቤት’ዮም። ስለዚ ከኣ ነቲ ጕዕዞ ብዝተፈልየ መነጸር’ያ ርእያቶ። ደቂቕ ምስትውዓል ነይሩዋ። ስለዚ ከምቲ ኣርእስቲ ናይታ ጽሕፍቲ ዝሕብሮ “ካብ ዮርክ ንቴህራን” ብዝብል ኣብ መዘከራ ተመርኲሰ ጽሒፈ። እቲ ዝወሰድኩዎ ኵርናዕ ነቲ ኣብ እዋኑ ዝገበረኦ ጕዕዞ ብናይ ሕጂ መነጸርን ሰሌዳ ግዜን እናረኣኹ’ዩ።

ብዓወት እቲ ቀዳማይ ውድድር ኣዝየ ስለ ዝተተባዕኩ ድማ ናብቲ “ኣፍሪ-ቶንዶ” (Afritondo) ዝተሰየመ ካልኣይ ውድድር ክሳተፍ ድፍኢት ረኺበ። ኣፍሪቶንዶ ናይ ናይጀሪያ ኣሕታሚ ትካል’ዩ። ብዙሕ ዘይንገሮ ዛንታታት ይዓጅበኒ’ዩ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ኢትዮጵያውያን-ኵባውያን ረኺበ። ድሕሪኡ ቍሩብ ምስ ፈተሽኩ ከመይ ኢሎም ዘኽታማት ኢትዮጵያውያን ህጻናት ኣብ 1970ታት ናብ ኵባ ይመጹ ከም ዝነበረ ክፈልጥ ክኢለ። ነቲ ታሪኽ ብጥረኡ ክትስንዶ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ግን ባህሊ ሓበሻን ኲባን ክራኸብ ከሎ እንታይ ይመስል ኢለ ክሓስብ ጀሚረ። ባህሊ ኵባ ድማ ብዝተፈላልየ እዋን ገለ መልክዑ ተጨሊፉ ክፈልጦ ዕድል ገይረ ነይረ። ገለ ካብኡ ብመገዲ ኣቦይ ዝሰምዖ ዝነበረ ሙዚቃ ኲባ ክኸውን እንከሎ፡ ኣነ ባዕለይ’ውን ናብ ኲባ በጺሐ ነይረ። ስለዚ ነዚታት ዝሓዋውስ ኣድማስ ፈጠራ’የ ኣቐሚጠ።

ቀደመይቲ ግጥመይ’ውን እዚ ዓመት’ዚ ተሓቲማ ኣላ። ስለዚ ምስጋና ንውሸባ 2020 ኣዕቲበ ክጽሕፈሉ ዝጀመርኩ ግዜ’ዩ።

ሕቶ፤ ካልእ ከሓተኪ ዝደለኹ፡ ደራፊት ኢኺ፡ ገጣሚት ኢኺ፡ ኣብ በበይኑ መድረኻት ኣቕራቢት ኢኺ። ሙዚቃ ንማሕበራዊ ፍወሳ ከም እትጥቀምሉ’ውን ሰሚዐ ኣለኹ’ሞ ብዛዕባኡ ቍሩብ ክትነግርኒ እንተ ትኽእሊ?

ደስታ ሃይለ፤ ፈጠራዊ ስራሕ ብዝተፈላለየ መገዲ ክመጽእ ከሎ ሓጐስ’ዩ ዝፈጥረለይ። እዚ ብመገዲ ሙዚቃ ክኸውን ይኽእል፡ ገለ ካብ ኣባላት ስድራቤትይ’ውን ኣለዉ፡ ብስእሊ ዝገልጹ። ኣነን ኣቦይን ብስእሊ ሓሳባትና ንምግላጽ ሕማቓት ስለ ዝነበርና፡ ካልእ መገዲ ከነናዲ ተገዲድና። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢኻ ጻውዒት ፈጠራ እንተሎ ከተውጽኦ ኣሎካ። እቲ ፈጠራዊ ስራሕ ንመን ከም ዝፍውስን ተስፋ ዝዘርእን’ውን ኣይትፈልጦን ኢኻ። ኣብ ህይወተይ ካብ ዝገጠሙኒ ኣዝዮ ዝፈትዎም ሰባት ገሊኣቶም ብመገዲ ሙዚቃ ዝረኸብኩዎ’ዮም። ስለዚ ኣነ’ውን ናብ ካልእ ከባጽሖ ጽውዒትን ሓላፍነትን ዘሎኒ መሲሉ ይስመዓኒ። ሙዚቃ ህይወተይ ኣጸቢቑ የሀብቲሙ’ዩ። ስለዚ ኣብ ሰሙን ንዕኡ ዝኸውን ግዜ እፈሊ። ስነ-ጥበብ ብዓቢኡ ንፍወሳ መሪሕ ተራ ከም ዘለዎ’ዩ ዝኣምን። ክሳብ ቀረባ እዋን ንውድድርን ንህዝቢ ዝዝጋሕ ጽሑፍን ደኣ ኣየበርክት እምበር፡ ገና ካብ ጓል 6 ዓመት ኣትሒዘ’ውን ዕለታዊ መዝገብ እጽሕፍ ነይረ። ስለዚ ናይ 30 ዓመታት ዕለታዊ መዝገብ ምጽሓፍ ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ኵሉ ግዜ ሓጐስ ዝፈጠረለይ’ዩ። ኪንዮ’ውን ብጥዕና ክነብር ዝሕግዝ’ዩ።

ሕቶ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሮያል ኣፍሪካን ሶኣይቲ (Royal African Society) ከም ምኽትል ዳይረክተር ኴንኪ ትሰርሒ ኣለኺ። ኣብኡ እንታይ ዓይነት ስራሓት ኢኺ ትሰርሒ?

ደስታ ሃይለ፤ ሮያል ኣፍሪካን ሶሳይቲ (Royal African Society) ቅድሚ ከባቢ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢለ ናብ ሎንዶን ብቐረባ ክፈልጦ ዝኸኣልኩ ትካል’ዩ። ሮያል ኣፍሪካን ሶሳይቲ ክልተ ዓበይቲ ፈስቲቫላት ይምውል። እቲ ሓደ “Africa Writes”ዝብል ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ “Film Africa” ዝተባህለ ኰይኑ ብዛዕባ ፊልምታት

ኣፍሪቃ ዝግደስ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ብዙሕ ተወሳኺ ንጥፈታት ኣሎ፤ ገሊኡ ናይ ንግዲ፡ ገሊኡ ናይ ትምህርቲ መደባት’ዩ። ንፖለቲካ ኣመልኪቱ ዝዓዪ ኣካል’ውን ኣሎ። እዚ ክብለካ እንከለኹ ግን ንእሽቶ ትካል’ውን’ዩ። ሸሞንተ ሰባት ጥራይ ኢና ብምሉእ ግዜና እንሰርሕ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ዕቱብን ጽፉፍን ትካል’ዩ። ሕጂ ልዕሊ 120 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። እቲ መሰረታዊ ዕላማኡ ግን ንኣፍሪቃውያን ድምጺ ምሃብን፡ ነቲ ኣህጉር ኣተኵሮ ምግባርን’ዩ። ኵሉ ኣብ ዙርያ ኣፍሪቃ’ዩ ዝዓዪ። ንዓዲ-እንግሊዝን ኣፍሪቃን ድማ ብዝተፈለልየ መገዲ ከራኽብ ይፍትን።

ስለዚ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢለ፡ ኣብ ከምዚ ዝመስል ትካል፡ ናይ ምኽታል ዳይረክተር ቦታ ምርካበይ ዓቢ ዕድል’ዩ። እቲ ናተይ ተራ ከኣ ስትራጂ እቲ ትካል ምውጻእን ምስቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ኣካላት ምውህሃድን’ዩ። African Arguments ዝብል መርበብ ሓበሬታ ኣሎና፡ እቲ ዝጠቐስኩዎ ፈስቲቫላት’ውን። ስለዚ ነዚን ካልእን ዝኸውን ገንዘብ ምድላያን ምስቶም ብቐረባ ዝሰርሑ ሰባት ድማ ምውህሃድን ኢዩ ስራሐይ። ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ’ውን ምስ ብዙሓት ሰባት--ከም ምስ ከንቲባ ከተማ ሎንዶንን ካልኦት ጸለውቲ ኣካላትን--ክራኸብ ዕድል ገይረ ነይረ። እዚ ኵሉ ንኣፍሪቃን ተወላዶ ኣፍሪቃን ዝምልከት ጽልዋ ንምሕዳር’ዩ። ዕላማ’ቶም በበይኖም ርክባት፡ ኣፍሪቃ ኣብ ፓርላማ ዓዲ-እንግሊዝ ከመይ ከም እትወከል፡ ካሪክለም ዓዲ-እንግሊዝ ብዛዕባ ኣፍሪቃ እንታይ ይምህር፡ ወዘተ. ንምዝርራብ’ዩ። ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘተኰረ ግን ከኣ ምስ በበይኖም ኣዝዮም ደስ ዘብሉ ሰባት ምስራሕ ስለ ዝዀነ ሓጐስ እፈጥረለይ።

የቐነይለይ።

ግጥምታት ዶክተር ርእሶም ሃይለ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ምጥዋቕ ይከኣል።

XS
SM
MD
LG