ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደርቂ ብዘስዓቦ ሕጽረት መግቢ ኣስታት 500 ህጻናት ኣብ ሶማል ምሟቶም ዩኒሴፍ ይሕብር


ፋይል
ፋይል

ሶማል፡ ኣብ ታሪኻ ዝኸፈአ ደርቂ ኣብ ዘርኣየትሉ ኣብዚ ዓመት`ዚ፡ ብውሕዱ 500 ቆልዑት ብሕጽረት ምግብና ከም ዝሞቱ ፡ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት(ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ።

ዩኒሴፍ ኣብ መግለጺኡ፡ ብዙሕ ዘይተመዝገበ ሞት`ውን ስለዘሎ እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ከምዝኸውን ይገልጽ።

ወሃቢ ቓል ዩኒሴፍ ኣብ ሶማል ቪክተር ቺንያማ እቲ ደርቂ ኣብ ልዕሊ ቆልዑት ከቢድ ጉድኣት የውርድ ከምዘሎን 400 ሺሕ ዝኾኑ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጉድለት መግቢ ከምዘለዉን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ። ቅልጡፍ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ እቶም ቆልዑት ኣብ ናይ ሙሟት ሓደጋ ከምዘለዉ`ውን ከምዚ ክብል የጠንቅቕ።

"ዛጊት ብሕሱም ሕጽረት መግቢ ናብ መመገቢ ክፍሊ ኣትዮም ዝሞቱ ኣስታት 500 ቆልዑት መዝጊብና`ለና። ናብቲ ሕክምና ከይመጹን ከይተመዝገቡን ዝሞቱ ስለዘለዉ እቲ ቁጽሪ ሞት ልዕሊኡ`ዩ። እዞም ቆልዑ ኣብ ገዝኦም ዝሞቱ ዘለዉ`ዮም፡ ገሊኦም ድማ፡ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ጉዕዞ ከለዉ ይሞቱ። ኣብዚ እዋን`ዚ ዘድሊ ሓገዝ፡ ግዜ ዝህብ ኣይኮነን።"

ቺንያማ ዩኒሴፍ 112 ሚልየን ዶላር ነዚ ዓመት`ዚ ከምዝሓተተን ፍርቂ ጥራሕ ከምዝረኸበን ይገልጽ።

እቲ በዓል-ስልጣን ዩኒሴፍ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ዘጋጠመ ዝኸፍአ ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናኸፍአ ከምዝኸይድ ይሕበር ኣሎ፡ ምኽንያቱ ንሓሙሽተ ተኸታታሊ እዋን እኹል ዝናብ ስለዘይሃረመ ይብል።

ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘዳውብ `ዶሎ` ዝተባህለ ዶብ ሶማል፡ ካብ ዝሓለፈ ደርቂ 2021 ዝተፈናቐሉ 10- ሺሕ ከምዘለዉ ሰበ-ስልጣን ይገልጹ።

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ብምብጻሕ ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረበ ከንቲባ`ታ ከተማ ሑሴን ኣብዲ፡ ሶማልያውያን መግብን ማይን መጽለልን ንምንዳይ በብመዓልቱ ይመጹ`ለዉ ኢሉ።

ኣስዒቡ፡" ዶሎ ማእከል ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ማሕበራትን ስለዝኾነት፡ ብዙሓት ተፈናቐልቲ ካብተን ትካላት ሓገዝ ደልዮም ናብዚ ብብዝሒ`ዮም ዝመጹ" ይብል።

ሓዲሽ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ፡ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዝተመርጸሉ ወርሒ፡ ፍሉይ ልኡኽ ጉዳይ ደርቂ ሶማል ዓብዲራሕማን ዋርሳመ`ውን ተመዚዙ። ሓላፍነቱ ንተጸበይቲ ሶማል ዝውሃብ ሓገዝ ንምዝያድ`ዩ። ዝሓለፈ ሰነ ዶሎ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ነቲ ሕሱም ጥምየት ንምዕጻፍ ብኹሉ ዝክኣለና ክንጽዕር ኢና ኢሉ ኔሩ።

"ብእኡ ኢና ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን ዓለምለኻዊ ትካላትን ንደርቂ ሶማል ጠመተ ክህባን ሰብኣዊ ሓገዘን ከዛይዳን ንጽውዕ ዘለና። መንግስተይ`ውን ነቶም ብደርቂ ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ረድኤት ከሳልጥን ክሕግዞምን ብዝክኣሎ ክሰርሕ`ዩ።"

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ን4ሚልየን ሶማልያውያን ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ከምዝገበረ ይገልጽ። ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ድማ፡ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ን6.4 ሚልየን ሶማልያውያን ዕላማ ዝገብረ ኣስታት ሓደ ቢልየን ዶላር ረድኤት ተማሕጺኑ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG