ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክልል ዓፋርን


ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክልል ዓፋርን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:08 0:00

ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክልል ዓፋርን

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ብርቱዕ ደርቂ ንምጽዋር ኣብ ትጽዕረሉ እዋን፣ ህዝቢ ክልል ዓፋር፣ ረሳሕ ማይ ገረብ ንክጥቀሙ ተገዲዶም ኣለው።

ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ሩባ ኣዋሽ፣ ንተወላዶ ዓፋር "ህይወቶም ዝተንጠልጠለትሉ ገመድ" ኮይኑ ንመስተ: መብሰሊ መግብን ንንጽህናን ይጥቐምሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ነቲ ዞባ አጋጢምዎ ንዘሎ ሓደጋ ደርቂ ትቃለስ ኣላ። ክልል ዓፋር’ውን ኣካል’ቲ ሓደጋ ኮይኑ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ሃብቲ ማይ ክልል ዓፋር ፋጡማ ሃይሰማ ብወገና "ሕጽረት ማይ ብድሆ ኮይኑ'ሎ፣ ብርክት ዝበሉ ጎዳጉዲ ማያት ኩዒትና ኢና። እንተኾነ ሕጽረት ፍሎራይድ ስለዘለና ክንጥቀመሎም ኣይካኣልናን። መጠን ፍሎራድ እቲ ማይ ካብ’ቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጸኦ መዐቀኒ ንታሕቲ ስለዝኾነ ክንዕሽጎም ተገዲድና ኣለና። ማይ ንምጽራይ ዝሓትት መጠን ገንዘብ ልዕሊ ዓቅምና ኮይኑ ኣሎ" ትብል።

ሰበ ስልጣንን ትካላት ረድኤትን ብወገኖም፣ እንተኺኢሎም ብቦጥ ኣቢሎም ማይ ንምቅራብ ካብ ምፍታን ሰጊሮም ዝገብርዎ ካልእ ነገር የለን። ተወላዶ ዓፋር ግና ኣማራጺ ምስኣኖም ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG