ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደርቂ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘእተወ ይግለጽ ኣሎ


ፋይል
ፋይል

ደርቂ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘእተወ ይግለጽ ኣሎ። ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ዩ.ኤን.ኢ.ፒ ብሳታላይት ምምዝጋብ ካብ ዝጅምር፡ ገለ ክፋላት ኬንያ: ሶማል: ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝደረቐን ዝወዓየን መጠን ሙቐት ይርኢ`ሎ ኢሉ።

ብመሰረት ሎሚ ዓመት 2022 ዝወጸ ጸብጻብ፡ ለውጢ ክሊማ ማለት ሕጽረት ማይ:ድኽመት ሕርሻን ምጥፋእ ህይወትን ማለት ኮይኑ`ሎ። እቲ ሪፖርት ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ናብ ለውጢ ክሊማ 3% ዝተቓጸለ ትኪ ጥራሕ`ያ ተበርክት ይብል።መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት እዚ ኮይኑ ግን እታ ኣህጉር ዘይርትዓዊ ዝኾነ ለውጢ ክሊማ ማዕበል ሙቐት:ደርቂ ከምኡ`ውን ካልኦት ኣዕነውቲ ዝኾኑ ኩነታት ትጻውር ኣላ ይብል።

ኣብ ኬንያ ጥራሕ 4.1 ሚልየን ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ኣለዉ፡ 1.1 ሚልየን ካብኦም ህጹጽ መግቢ ዘድልዮም`ዮም።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ መግቢ ዘድልዮም ሰባት ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ጥራሕ ብሚልዮናት ወሲኹ`ሎ ይብል።

XS
SM
MD
LG