ዋሽንግተን —
ደርቂ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘእተወ ይግለጽ ኣሎ። ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ዩ.ኤን.ኢ.ፒ ብሳታላይት ምምዝጋብ ካብ ዝጅምር፡ ገለ ክፋላት ኬንያ: ሶማል: ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝደረቐን ዝወዓየን መጠን ሙቐት ይርኢ`ሎ ኢሉ።
ብመሰረት ሎሚ ዓመት 2022 ዝወጸ ጸብጻብ፡ ለውጢ ክሊማ ማለት ሕጽረት ማይ:ድኽመት ሕርሻን ምጥፋእ ህይወትን ማለት ኮይኑ`ሎ። እቲ ሪፖርት ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ናብ ለውጢ ክሊማ 3% ዝተቓጸለ ትኪ ጥራሕ`ያ ተበርክት ይብል።መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት እዚ ኮይኑ ግን እታ ኣህጉር ዘይርትዓዊ ዝኾነ ለውጢ ክሊማ ማዕበል ሙቐት:ደርቂ ከምኡ`ውን ካልኦት ኣዕነውቲ ዝኾኑ ኩነታት ትጻውር ኣላ ይብል።
ኣብ ኬንያ ጥራሕ 4.1 ሚልየን ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ኣለዉ፡ 1.1 ሚልየን ካብኦም ህጹጽ መግቢ ዘድልዮም`ዮም።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ መግቢ ዘድልዮም ሰባት ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ጥራሕ ብሚልዮናት ወሲኹ`ሎ ይብል።