ሃገረ ሀይቲ ብስእነት ጸጥታን ስሩዕ ምምሕዳርን ኣብ እትሳቐየሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ በበይኑ ከተማታትን መንበሪ ስፍራታትን እታ ሃገር ነቲ ዘሎ ሃጓፍ ዝመልኡ ውልቀ-ሰባት ይዕንብቡ ኣለዉ። ገለ ካብዚኣቶም ብሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝተነብረሎም’ዮም።
ጂሚ ቸሪዜር ወይ ድማ በቲ ልሙድ መጽውዒ ስሙ “ባርቢኲ” ኣብ ሀይቲ ካብቶም ዝተፈርሑ መራሕቲ ጭፍራ ዓዋሉ (ጋንግ) ኢዩ። ኣብቲ ላ ሳሊን ዝተባህለ ኣከባቢ ግን ከም ኣውሓሲ ሕጊ’ዩ ዝርአ። ሀይቲ ብሰንሰለታውያን ነውጺን ስእነት ሕጊን ኣብ እትፍለጠሉ እዋን ድማ ንቦታ መንግስቲ ዝትክኡ ካብ ዘለዉ ውልቀሰባት’ዩ።
እቲ መራሒ ጕጅለ ንተራኡን ናብኡ ዝደፍኦ ድርኺትን ከብርህ እንከሎ፤“ሰራቒ ኣይኰንኩን፡ ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ኰይነ ኣይተረኸብኩን፡ ብምጭዋይ ዜጋታት’ውን ኣይተኸሰስኩን። እንተዀነ፡ ህዝቢ እዚ ከባቢ ዝሓሸ መነባብሮ ክህሉዎ ኣብ ምስራሕ ኣለኹ። ከምዚ ኣብ ከባብየይ ዝርአ ዘሎ ሕሱም መነባብሮን ስእነት ንቡር ህይወትን ምስ ዘጋጥም ኵሉ ሰብ ሰውራ ከልዕል ባህርያዊ ነገር’ዩ፡”ይብል።
ብሕቡራት ሃገራት ብዝፈጸሞ ከበድቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ማዕቀብ ተነቢሩሉ ዘሎ ጂሚ ቸሪዜር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደሴታት ካሪብያን ንዘጋጠመ ቅልውላው ነዳዲ ጠንቂ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።
ከም ጸበጻብ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሀይቲ፡ ኣብታ ሃገር፡ ብሕልፊ ብክልተ ጕጅለታት ዓዋሉ ዝርአ ተደጋጋሚ ጎንጽታት ንቡር ህይወት ንምፍጻም ዘጸግም ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት 60% ካብ ርእሰ-ከተማ እታ ሃገር ብጭፍራ ዓዋሉ ከም እትመሓደር ይሕብር። እቲ ኣሃዝ ግን ሕጂ ካብ መጠን ንላዕሊ ዓብዩስ፡ ሕጂ 100% እታ ርእሰ-ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዓዋሉ’ያ።
እቶም ንሓያሎ ከባቢ ዝቆጻጸሩ መራሕቲ ጭፍራ ዓዋሉ ገንዘብ ኣኻዕቢቶም’ዮም። ኣስታት 155 ሽሕ ህዝቢ እታ ከተማ ግን ንዝሓሸ ውሕስነት ከም ዝሃደመ ጸብጻበት ይሕብሩ።