ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደሞክራሲ ብቴክኖሎጂ ክብሕጐግ እንከሎ


ብዙሓት ዓፈንቲ ስርዓታት ኣብ እዋን ምርጫ ንኣንጻር ወገን ክዕምጹን ንውጽኢት ምርጫ ምቕባል ክኣብዩን ልሙድ ተርእዮ’ዩ። ሕጂ ግን ሳላ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፡ እቶም ጓዕጸጽቲ ስርዓታት ካልእ ብልሓት ንኽጥቀሙ’ውን ዕድል ረኺቦም ኣለዉ። ምርጫ ፖላንድ 2019 እምበር ሓደ ኣብነት ናይዚ’ዩ።

ኣባል ሰነት ፖላንድ ሽሽቶቭ ብሬዛ፡ ኣብ 2019፡ መራሒ ልፍንታዊ ሰልፊ ተቓውሞ ኰይኑ ይወዳደረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ሰለስተ ግዜ ሞባይል ቴለፎኑ ከም ዝተጣሕሰት (ሃክ ኰይና) ዝሓለፈ ሰሙን ተፈሊጡ።

ቴለፎን ሃክ ምግባር ኪንዮ ምጥላፍ ምልልስ ዝኸይድ መስርሕ’ዩ። ከም መግለጺ ነቲ ምርምር ዘካየደ Citizen Lab፡ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዓ ሞባይል ቴለፎናት ንኣንጻር ወገን ኵሉ ሓበሬታ’የ ዝኸፍታሉ። ኣጥቃዒ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ስእልታት፡ ዝርዝር ኣስማትን ካሜራን ናይ ኣንጻር ወገን ክርኢ፣ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ በታ ቴለፎን ዝግበር ጻውዒት ከም ድላዩ ክሰምዕን ክጸናንጸንን ይኽእል። ስለዚ ከኣ ቴለፎን ብሬዛ ድሕሪ ምጥሕሳ፡ ኵሉ ኣብኣ ዝነበረ ጽሑፋትን ምልልሳት ኢመይል፡ ጻውዒታት፡ ዝተለዋወጡዎ ናይ ጽሑፍ ሓጺር መልእኽቲ ወዘተ። ናብ ኣንጻር ወገን ብዘይ ጸገም ውዒሉ ምህላዉ’ዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዓቃባዊ መርገጺ ዘለዎ የማናዊ ክንፊ እታ ሃገር ነቲ ምርጫ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ካብ ቴለፎን ብሬዛ ዝተረኽበ ሓበሬታ ድማ ተጠማዚዙን ተመስሪሑን ኣብ ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣንጻሩ ቀሪቡ።

ወዲ 38 ዓመት መራሒ ልፍንታዊ ሰልፊ ተቓውሞ ሽሽቶቭ ብሬዛ፡ ካብ ቴለፎኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብ እዋን ምርጫ ወሳኒ ኣሉታዊ ተራ ከም ዝተጻወተ ተመሊሱ ሕጂ ይዝክር። ብሰንኪ ዝለሓዀ ሓበሬታ ንስትራተጂን መደባትን እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ብቐሊሉ ኣንጻር ረብሓኦም ከም ዝወዓለ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣካፊሉ።

ምርጫ ፖላንድ 2019 ገና ኣብ እዋኑ ኣከራኻሪ ደኣ ይንበር’ምበር፡ ሕጂ ምስ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታት ግን ነቲ ሕቶ መሊሱ የልዕሎ።

Citizen Lab ዝተባህለ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ ዝመደበሩ ዘይመኽሰባዊ ትካል፡ ቴለፎን መራሒ ልፍንቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝዀነ ብሬዛ ኣብ መንጎ ሚያዝያን ጥቅምቲን 2019 ዝነበረ እዋናት 33 ግዜ ከም ዝተጣሕሰት መዝጊቡ ኣሎ። ተቐናቐንቲ ወገናት ንቴለፎን ብሬዛ ንምስባር ፔጋሱስ ዝተባህለ ኣብ እስራኤል ዝፈሪ ስፓይወር ዝተባህለ መጥቅዒ ከም ዝተጠቕሙ እቲ ማእከል ምርምር ኣፍሊጡ። ኣብ እስራኤል ነቲ መዕነዊ ቫይረስ እተፍሪ ትካል NSO Group ዝተባህለት’ያ።

ከም ርኽበት Citizen Lab መንግስቲ ፖላንድ ካብታ እስራኤላዊት ትካል መጥቅዒ ስፓይዌር ዓዲጉ ንመቀናቕንቲ ዒላማ ክግበር ንሳልሳይ እዋኑ ምዃኑ’ዩ። ወሃብ-ቃል ሃገራዊ ጸጥታ ፖላንድ ነቲ ክሲ መሰረት ኣልቦን ንፖለቲካዊ ረብሓን ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ መንግስቱ ኣብ ከምኡ ዝመስል ተግባራት ከም ዘይውዕል ሓቢሩ ኣሎ።

እስራኤላዊ ትካል NSO Group ኣብ ተመሳሳሊ ሕማቕ ተግባራት ተዋፊሩ ስለ ዝተረኽበ ብመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣትዩ ኣሎ። እቲ ትካል ግን ብጸጥታን ሚኒስትሪ ምክልኻልን እስራኤል ብዝግበረሎም ገምጋምኣብ ስራሓት ግብረ-ሽበራን ገበናዊ ተግባራትን ኣካላት ጥራይ ከም ዘጥቅዕ’ዩ ዝምጕት።

ብዛዕባ መንግስቲ ፖላንድ ግን ኣይጠቐሰን።

ማእከል ምርምር ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ ግን ብድሕሪ’ቲ ተግባራት NSO Group ከም ዘሎ ብምእማን ዝያዳ መርመራ ክግበር ይጽውዕ።

ግብረ-መልሲ ኤውሮጳዊ ሕብረት

ንውጽኢት መርመራ ዝተኸተሉ ሓገግቲ ኣካላት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣባላት ሃገራቱ ንኸምኡ ተግባራት ክዋፈራ ስለ ዘየፍቅድ፡ ቀልጢፎም ነቲ ጉዳይ ክከታተሉዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ካልኦት ክልተ ግዳያት’ቲ መጥቃዕቲ ስፓይዌር ቀንዲ ተቓዋሚ እቲ የማናዊ መንግስቲ ፖላንድ ዝዀነ ኣኽባር ሕጊ ኤቫ ዦሰክን ነቲ ልፍንታዊ ሰልፊ ተቓውሞ ዝውክል ዝነበረ ጠበቓ ሮማን ጀርንይክን ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ብረቡዕ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተሓቲቱ ስኑዕ ዜና ክብል ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡሉ። ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ብወገኑ፡ ከምኡ ዝመስል ዘይሕጋዊ ተግባር ከም ዝቃወም ድሕሪ ምግላጽ፡ ፖላንድ ግን ብኸምኡ ገበናት ንዝተጠርጠሩ ኣብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ዝሕልቲ ምዃና ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብቲ ዝተባህለ እዋናት ሞባይል ቴለፎን ጠበቓ ጀርንይክ 18 ግዜ ከም ዝተጣሕሰት (ሃክ ከም ዝዀነት) ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ እዋኑ እቲ ዝተዓወተ ሰልፊ ብኣዝዩ ንእሽቶ ቍጽሪ ደኣ ይንበር’ምበር፡ ምስዚ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ንቅኑዕነት እቲ ምርጫ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ኰይኑ ኣሎ። ሓያሎ ተንተንቲ ከኣ ንደሞክራሲ ዝብሕጕግ ተግባር ኢሎም ይገልጹዎ።

ካልኦት በዚ ስፓይዌር ከም ዝተጠቕዑ ድሮ ተፈሊጡ ዘሎ ናይ ሜክሲኮን ስዑዲ ዓረብን ጋዜጠኛታትት፡ እንግሊዛዊ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ፍልስጤማዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ገለ መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ኡጋንዳ ዝነበረ ቆንስል ኣመሪካን ኢዮም።

ወሃብ-ቃል NSO Group ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ትካሎም ዝርዝር ናይቶም ዒላማ ዝግበሩ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ከም ዘይብላ ክሕብር እንከሎ፡ ብድሕሪ ሕጂ ግን ዓማዊል እቲ ትካል ንመምርሒ ስራሕን ዒላማ እቲ ስፓይዌርን ከይስሕቱ ዘድሊ ቅድመ-ጥንቃቐ ክግበሩ ምዃኖም ሓቢሩ። ኣየኖት ምዃኖም ደኣ ኣይጥቀስ እምበር፡ እቲ ትካል ምስ ገለ መንግስታት ናይ ስራሕ ርክባቱ ከም ዘቋረጸ’ውን ጠቒሱ። እቶም ስራሓቶም ዝበዅሩ መንግስታት ኣብ ዘይተደልየ ዒላማ ዘውዕሉ ምዃንኖም እቲ ወሃብ ቃል ይውስኽ።

NSO Group ክንዲ ዝደለዮ ጥንቃቐ’ውን እንተ ገበረ እቲ ውዕል ናይ ምጥሓስ ተግባራት፡ ብሓያሎ መንግስታት ምቕጻሉ ዘይተረፎ ምዃኑ Citizen Lab ይጠቅስ።

NSO Group ብሰንኪ’ቲ ዘካየደቶ ሓያሎ ዕንወታት ኣብ ከቢድ ገንዘባዊ ክሳራን ሕጋዊ ማሕንቖታትን ትርከብ። ዕዳ እታ ትካል ዛጊት ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ በጺሑ ኣሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጸሊም መዝገብ ምስፋሩን ንትካላት ኣመሪካ ምስ NSO Group ዝዀነ ምትሕሓዝ ከይህልወን ምኽልካሉን ነታ ትካል ዓቐብ ኰይኑዋ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG