ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደምህት መንግስቲ ንኣባላቱ ዝኣተዎ መብጽዓ ከምዘይፈጸመ ኣፍሊጡ


ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ኣባላተይ ብመንግስቲ ክወሃበኩም እዩ ዝተባህለ መትከሊ እግሪ ክሳብ ሐዚ ብዘይምርካቦም ማሕበራዊ ፀገም የጋጥሞም ኣለዉ ክብል ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ ካልኦት ፖለቲካዊ ስራሓት ከይንፍፅም ኣፀጊሙልና’ሎ ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ምንቅስቓስ ኣይተ መኮነን ተስፋይ ተዛሪቦም።

ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) መንግስቲ ብዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ልዕሊ 2500 ኣባላቱ ሒዙ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ይዝከር። ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተው ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ይነብሩ ኣለዉ ክብሉ ኣቦ መንበር ደምህት አቶ መኮነን ተስፋይ ሓቢሮም።

ንሶም ብተወሳኺ መንግስቲ ነቶም ኣባላት መትከሊ እግሪ ንምሃብ ዝኣተዎ ቃል ክሳብ ሐዚ ኣይፈፀሞን ኢሎም ። ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ምንቅስቓስ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ እውን ካብ መንግስቲ ክወሃብ እዩ ተባሂሉ ዝነበረ መትከሊ እግሪ ክሳብ ሐዚ ስለዘይተውሃበ ኣባላት እቲ ምንቅስቃስ ከቢድ ማህበራዊ ፀገም የጋጥሞም ከምዘሎ ወሲኾም ገሊፆም።

“ክሳብ ሐዚ ብትዕግስቲ ተፀቢና ኢና” ዝበሉ ኣይተ መኮነን ኣብ ቀረባ እዋን መትከሊ እግሪ ንኣባላቶም ዘይውሃብ እንተኾይኑ ብዕሊ መንግስቲ ቃሉ ኣይሓለወን ኢልና ክነፍልጥ ኢና ካብኡ ንደሓር ኣባላትና ዝደለይዎ ክውስኑ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ጉዳይ ምትካል እግሪ ኣባላት ዴምህት ክሳብ ሐዚ ንምንታይ ተዳናጉዩ ንዝብል ካብ መንግሰቲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ኣቦ መንበር ደምህት አቶ መኮነን ተስፋይ ኣብ ቀረባ እዋን ጉባኤ ብምክያድ ኣንፈት ፖለቲካ ክነቐምጥ ኢና ዝበሉ ክኾኑ ኸለው ክሳብ ሐዚ ምስ ዝኾነ ውድብ ዘተ ይኹን ድርድር ከምዘይጀመሩ እውን ገሊጾም።

ኣብ ጉዳይ ምሃብ መትከሊ እግሪ ጠሚቱ ምላሽ መንግስቲ ንምሕታት ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ደምህት መንግስቲ ንኣባላቱ ዝኣተዎ መብጽዓ ከምዘይፈጸመ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:34 0:00

XS
SM
MD
LG