ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደልታ ዝተባህለ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ስሪላንካ ምርኣዩ ተሓቢሩ


ኣብ ህንዲ ዝተራእየ ዴልታ ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስኮሮና ኣብ ጎረቤታ ስሪላንካ ምርኣዩ ተሓቢሩ።ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ካብ ኣስታት 22 ሚሊዮን ህዝባ ስሪላንካ ልዕሊ 233,000 ሽሕ ብኮቪድ ዝተትሓዙ ተመዝጊቦም ኣለው።

ኣብ ደቡብ ኮሪያ ብሰንኪ ምድንጓይ ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 መንግስቲ ንዜጋታቱ ዝተሓዋወሰ ዓይነት ክታበት ክህብ ተገዲዱ ኣሎ።ክታበት ኣስትራዘኒካ ዝወሰዱ ኣብ ኻልኣይ ክታበት ፋይዘር ክቐርበሎም እዩ።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ክሳብ ሎሚ ንጉሆ ዓርቢ ኣብ ዙርያ ዓለም 177 ሚሊዮን ሰባት ብኮረናቫይረስ ዝተትሓዙ ተመዝጊቦም ኣለው።ኣሜሪካ 33.5 ሚሊዮን ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ :ህንዲ 28.9 ሚሊዮንን ካልኣይቲ:ብራዚል 17.7 ሚሊዮን ሳልሰይቲ ብምዃን ብቐዳምነት ተሰሪዓን ኣለዋ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ቁጽሪብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት 3.84 ሚሊዮን በፂሑ ኣሎ።

ጆንስ ሃፕኪንስ ብምውሳኽ 2.5 ቢሊዮን ክታበት ምውሃቡ'ውን ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG