ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

9ይ ጉባኤ ማሕበር መንእሰይ ክልል ትግራይ ይቓናዕ ኣሎ


ማሕበር መናእሰይ ትግራይ 9ይ ጉባኤኡ የካይደሉ ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተወኩሉ ኣባላት ማሕበር መናእሰይ: ኣመራርሓ መንግስቲ : ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሳተፉ ኣለው::

ኣቦ መንበር ቦርድ ማሕበር መናእስይ ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን ናይቲ ማሕበር ዝሓለፉ ጉባኤታት መናእሰይ ተጠቀምቲ ዝገበሩ ውሳነታት ዝተመሓላለፍሉ ነይሮም ኢሎም:: እቲ ናይ ሎሚ 9ይ ጉባኤ ከይዲ ሰላም: ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ሓደጋ ኣብ ዘንፀላለወሉ እዋን ዝርከብ ብምዃኑ ንመንእሰይ ትግራይ ዝረብሕ ውሳነታት ዝወሰንሉ ክኸውን ትፅቢቶም ገሊፆም::

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላም ንመናእሰይ ዘለዎ ረብሓ ልዑል እዩ ዝበሉ ኮይኖም ሐዚ እውን እቲ ከይዲ ስላም ነባሪ ክኸውን መንግስታት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም::

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ:: "መንእሰይ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ካልኦት ህዝብታት ሓቢሩን ተከባቢሩን ናይ ምንባር ባህጊ ፣ ድልየት ፣ ልምድን ባህልን ዘለዎ ፤ናይ ካልኦት ህዝብታት መሰል ዘይትንክፍ መንእሰይ ምኳኑ ኣመስኪሩ እዩ " ኢሎም:: በዚ ድማ ሰላም ትግራይ ብመናእስይ ተሓልዩ ይርከብ ክብሉ ተዛሪቦም::

ዶ/ር ደብረጽየን ቀጺሎም ሰላም ትግራይ ስለዝተሓለወ ኣብዚ ዓመት ንመናእስይ ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ልዕሊ 1300 ሰብ ሃብቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ኣብ ትግራይ ኣውፂኦም ናብ ስራሕ ንምእታው ይቀንሳቐሱ ከምዘለውን ተግባራዊ ስራሓት ዝጀመሩ ከምዘለውን ገሊጾም:: ብተወሳኺ ድማ መናእሰይ ንመስርሒ ገዛ መሬት ክረኽቡ ከምዝተሰርሐን ኣብ ጣብያታት ድማ ሰናይ ምምሕዳር ንምስፋን ምሁራት መናእሰይ ኣብ ኣመራርሓ ክመጹ ተገይሩ ኢሎም::

ተወካሊ መናእሰይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቶፊቅ ኑርሑሴን መናእሰይ ኤርትራን ትግራይን ብዘካየድዎ ብረታዊ ቃልሲ ንናይ ሓባር ፀላኢኦም ስዒሮም ኢሉ:: ኣብ ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዝነበረ ዘይምቅዳው ንክልቲኡ ህዝቢ ኣኽሲሩ እዩ ዝበለ ቶፊቅ ብቐፃሊ እቲ ርክብ ክሕይል ክሰራሕ ይግባእ ኢሉ:: ጉባኤ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ፅባሕ ክዛዘም:: እዚ "ጉባኤ ስመር" ብዝብል መሪሕ ቃል ይካይድ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

9ይ ጉባኤ ማሕበር መንእሰይ ክልል ትግራይ ይቓናዕ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:41 0:00

XS
SM
MD
LG