ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2ይ ዓመት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ


2ይ ዓመት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:22 0:00

2ይ ዓመት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ

ሎሚ ዓርቢ መበል ካልኣይ ዓመት ሓይልታት ትግራይ ምስ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ፣ መላፍንቱ ክልላትን ኤርትራን፣ ውግእ ዝተወለዐላ ዕለት እያ። ተንተንቲ "እቲ ኲናት፣ ንሞት ኣማኢት ኣሻሓትን ምፍንቓል ሚልዮናት ሰባትን ከምኡውን ብኩሎም ወገናት ግፍዒ ንክፍጸም ዕድል ፈጢሩ እዩ"ይብሉ።

ድሕሪ’ቲ ሓባራዊ ስምምዕ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ዝነበሩ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ "እቲ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኣሎ' ኢሎም ነይሮም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ "ንመስርሕ ሰላም ከዕንቕፉ ዝደልዩ ወገናት ኣለው" ክብል ኣጠንቂቁ ኣሎ። ኣብ ምዕዋት’ቲ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ተራ ማሕበረሰብ ዓለም ንክዓዝዝ’ውን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብ’ቲ ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል ዘዳለዎ መድረኽ ጋዜጣዊ መግለጺ ርእይቶ ዝሃበ ፕረዚደንት መድረኽ ሰብኣዊ መሰላት ክልል ትግራይ ኣቶ ሰለሞን መዝገቦ "ዋላ’ውን ተስፋ ዘይብለይ እንተኾነ፣ ንዓይ እዚ ጽቡቕ ኣጀማምራ እዩ። ምኽንያቱ፣ መን እንታይ ከምዝበለን እንታይ ይገብር ከምዘሎን ሙሉእ ዓለም ይዕዘብ ኣሎ።"

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ኣብ ምስጓም ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ" ኢሎም። ምምሕዳሮም ንትግባረ’ቲ ውዕል ከምዝሰርሕ’ውን ሓቢሮም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ቲ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ውግእ ንሓይልታት ትግራይ ንምድፋእ ካብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ደገፍ ረኺቡ ስለዝነበረ፣ ግብረ መልሲ ኣስመራ ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ እንታይ’ኮን ይኾን ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኮይኑ ኣሎ።

ላዕለዋይ ተሓላቂ ኣብ ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዓብዱላሂ ሃላሄ ጽልዋ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣነኣኢስካ ዝራኣይ ኣይኮነን ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዘመሓድር ህወሓትን፣ ቅድም ኢሎም ነናይ ገዛእ ባዕሎም ስጉምቲ ምቁራጽ ተኹሲ ገይሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተነጻጻሪ ዕረፍቲ፣ ዝሓለፈ ነሓሰ ውግእ ዳግም ተወሊዑ።

XS
SM
MD
LG