ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ንኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝመደቦ 1.3 ቢልዮን ዶላር ፕሮግራም ይቕጽል ምህላው ተሓቢሩ


ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ)ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ ፕሮግራም 1.3 ቢልዮን ዶላር ይቅጽለሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ናብ ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን፣ ግብረ መልሲ ንኮቪድ 19ን ክታበትን፣ ወፍሪታት ኢንቨስትመንት ኣብ ዓውድታት ጥዕናን ትምህርትን፣ ከምኡ'ውን ውጥናት እግሪ ምትካል ድህረ ውግእ ይቅጽሉ ከምዘለው እቲ ትካል ገሊጹ።

ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ :ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፉት ከምዘሎን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንምሕጋዝ ቅሩብ ከምዝኾነን’ውን ጠቂሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG