ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩወሪ ሙሳቨኒ ንሻውዓይ እዋን ክወዳደር ዝለመነ ሓኪም ካብ መዝነቱ ክወርድ ይሕተት


ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሳቨኒ - ፋይል
ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሳቨኒ - ፋይል

ሃገራዊ ማሕበር ሰብ-ሞያ ጥዕና ኡጋንዳ ንመጻኢ ስልጣን ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶክተር ሳሙኤል ኦዶንጎ ኦለዶ ንምውሳን ሎሚ ሰሉስ ፍሉይ ኣኼባ ይግበር ኣሎ። እዚ ህጹጽ ኣኼባ፡ ዶክተር ሳሙኤል ኦለዶ፡ ንሱን ካልኦት ኣባላት እቲ ማሕበርን ተምበርኪኾም፡ ፕረዚደንት ሙሳቨኒ ንሻውዓይ እዋን ኣብ 2026 ንፕረዚደንት ክወዳደር ድሕሪ ምልማኖም’ዩ። እቲ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ንፕረዚደንት ሙሳቨኒ ኣብ መዳይ ጥዕና እታ ሃገርን ኣብቲ ሞያ ዝነጥፉ ኣባላትን ገይሩዎ ብዝበሎ ፍሉይ ኣበርክቶ መጒሱ።

ብተግባር እቲ ፕረዚደንት ማሕበር ዝተቖጥዑን ነቲ ሞያዊ ትካል መሳርሒ ፖለቲካ ገይሩዎን ዝበሉ ኣባላት ብቕልጡፍ ካብ መዝነቱ ክወርድ ይሓቱ ኣለዉ። ኣባላት እቲ ማሕበር ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ናይ ቅድም ተወዳደርቲ ፕረዚደንት ዶክተር ቺዘ በሰጀን ቦቢ ዋይንን’ውን ነቲ ተግባር ብምዅናን እቲ ዶክተር ካብ መዝነቱ ክወርድ ጸዊዖም።

ወዲ 78 ዓመት ዩወሪ ሙሳቨኒ፡ ንኡጋንዳ ዝነውሐ ዝመርሐ ኰይኑ፡ ኣብ 1986’ዩ መዝነት ፕረዚደንት ተረኪቡ።

XS
SM
MD
LG