ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩክሬን ኣብ 1991 ካብ ሞስኮ ናጽነታ ካብ ትረክብ ዘሕለፈቶ ፖለቲካዊ ታሪኽ


ዩክሬን፡ በቲ ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን 'ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት' ዝበሎ ስጉምቲ ካብ ትውረር ጽባሕ ረቡዕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከተቑጽር'ያ።

ዩክሬንን ምዕራባውያን ደገፍታን ሞስኮ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ጎበጣ መሬትን፡ ንምስራዝ ሃገራዊ መንነት ዩክሬን ዝዓለመን ዘይምኽኑይ ወራር`ዩ ክብላ ይኹንንኦ። ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ እቲ ዂናት ምስፍሕፋሕ ኔቶ ንምዕጻፍን ንሩስያ ዘስግኡ ጽንፋውያን ንምውጋድን ዝዓለመ`ዩ ይብል።

ዩክሬን ኣብ 1991 ካብ ሞስኮ ናጽነታ ካብ ትረክብ ዘሕለፈቶ ፖለቲካዊ ታሪኽ እንታይ ይመስል?

ኣብ 1991 ሊዮኒድ ክራቫቹክ መራሒ ሶቭየት ሪፓብሊክ ዩክሬን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ሞስኮ ናጽነት ኣዊጁ። ኣብቲ ዝተኻየደ ረፈረንደም ድማ ዩክሬናውያን ብዓብላልነት ናጽነት ኣድሚጾም ንሊዮኒድ ክራቫቹክ ድማ መራሒኦም ጌሮም መሪጾም። ኣብ 1994 ድማ ዩክሬን ነቲ ካብ ሩስያ ዝወረሰቶ ዓረር ኑክሌር ክተረክብ ወሲና። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሩስያ:ኣመሪካን ብሪጣንያን ብዝፈረምኦ ውዕል ኮይኑ ዩክሬን ጸጥታዊ ውሕስነት ክወሃባ ብዝብል ዝተኻየደ ዩ ኔሩ።

ኣብ 2004፥ ንሩስያ ዝድግፍ ቪክተር ያኑኮቪች ፕረዚደንት ኮይኑ፡ እንተኾነ ዝተደናገረ ምርጫ`ዩ ተኻይዱ ብዝብል እቲ ኦረንጅ ረቮልሽን ዝብሃል ተቓውሞ ተላዒሉ፡ ምርጫ ክድገም ተገይሩ። ድሕሪ`ዚ ደጋፊ ምዕራባውያን ዝኾነ ቀዳማይ ሚንስተር`ታ ሃገር ዝነበረ ቪክተር ያሸሸንኮ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣብ 2005 ያሸሸንኮ ንዩክሬን ካብ ቀለበት ክረምሊን ከውጽኣን ናብ ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ገጹ ከቕንዓን ቃል ኣትዩ።

ኣብ 2010 ኣቐዲሙ ብምድጋም ምርጫ ዝተሳዕረ ያኑኮቪች ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ብምስዓር ፕረዚደንት ዩክሬን ኮይኑ። ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ዋጋ ነዳዲ ውዕል ተፈራሪመን። እዚ ድማ ኣብ ወደብ ጸሊም ቀላይ ማለት ኣብ ናይ ዩክሬን ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብቲ ቦታ ንክጸንሕ ዝተገብረ ውዕል`ዩ ኔሩ።

ድሕሪ`ዚ ኣብ 2013 መንግስቲ ያኖኮቪች፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነበሮ ንግዳዊ ርክባት ኣደስኪሉ ምስ ሞስኮ ቁጠባዊ ምትእስሳር ከበራብር ተበጊሱ። እዚ ተበግሶ`ዚ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኪየቭ ናይ ኣዋርሕ ህዝባዊ ሰልፍታት ኣለዓዒሉ። ድሕሪ`ዚ መራሒ ሩስያ ፑትን ንምዕራባውያን ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብምትብባዕን ብምድጋፍን ከሲሱወን ።

ኣብ 2014 እቲ ኣብ ኣደባባይ ኪየቭ ኣተኩሩ ዝነበረ ሰልፍታት ጎንጻዊ እናኾነ ከደ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ወርሒ ለካቲት፡ ባይቶ`ታ ሃገር ንያኖኮቪች ካብ ስልጣን ክኣልዮ ኣድሚጹ፡ ንሱ ድማ ካብታ ሃገር ሃዲሙ። ድሕሪ መዓልታት ግን ዕጡቓት ንፓርላማ`ታ ሓውሲ ደሴት ክሪምያ ብምቁጽጻር ባንዴራ ሩስያ ኣብ ፓርላማ ክሬምያ ኣንበልቢሎም። ሞስኮ ረፈረንደም ኣካይዳ ዝበዝሑ ምስ ሩስያ ይሕሸና ስለዝበሉ ነታ ግዝኣት ክረምያ ናብኣ ጸንቢራታ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2014 ደገፍቲ ሩስያ ዝኾኑ ክንፍለ በሃልቲ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ንዝርከብ ዶንባስ ዝብሃል ክፍለሃገር ናጽነት ኣዊጆም። ሽሕ`ኳ ተደጋጊሙ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ይግበር እንተነበረ ክሳብ መጀመርያ`ዚ ዓመት`ዚ ድማ ኲናት ቀጺሉ።

ኣብ ሓምለ 2014 ሓንቲ ህዝቢ ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ ኣምስተርዳም ናብ ኩዋላ፡ላምፑር ክትበርር ከላ ኣብ ልዕሊ ምብራቓዊ ዩክሬን ብሚሳይል ተሃሪማ ኣብኣ ዝነበሩ 298 ሰባት ኩሎም ሃሊቖም። መርመርቲ እቲ ሚሳይል ስርሒት ሩስያ ምዃኑ ነጊሮም፡ ሩስያ ግን ኣይናተይን ብምባል ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘይነበራ ኣፍሊጣ`ያ።

ኣብ 2017 ካብ 2014 ጀሚሩ ፕረዚደንት ዩክሬን ዝጸንሐ ደጋፊ ምዕራባውያን ዝኾነ ቢልየነር ነጋዳይ ፐትሮ ፖሮሸንኮ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ንግድን ኣገልግሎታትን ውዕላት ከቲሙ። ዩክሬናውያን ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ናጻ ቪዛ ዕድላት ተዋሂብዎም።

ኣብ 2018 ኮመዲያን ተዋሳኣይ ዝነበረ ቮሎድምር ዘለንስኪ፡ ብልሽውና ክዋጋእ`የ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ዘሎ ኲናት`ውን ደው ከብሎ`የ ብዝብል መብጽዓ፡ ንፖሮሸንኮ ብምስዓር ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣብ 2021 ዘለንስኪ ዩክሬን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ። ሩስያ ድማ ሰራዊታ ንወተሃደራዊ ልምምድ ብዝብል ናብ ዶብ ዩክሬን ክተጸግዕ ጀሚራ። ቅድሚኡ ቅድሚ ወርሒ ድማ ሩስያ ዝርዝር ጸጥታዊ ጠለባት ኣቕሪባ ኔራ`ያ። ካብ መንጉኡ ኔቶ ኣብ ምብራቓዊ ኤውሮጳን ዩክሬንን ወተሃደራዊ ህላዌኡ ከቋርጽ ኣተሓሳሲባን፡ ውሕስነት ዝህብ ሕጋዊ ውዕል ክግበር ጸዊዓን። ከም ምላሹ ድማ ኔቶ ማለት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ብዛዕባ ጸጥታዊ ስግኣት ሩስያ ግብራዊ ምይይጣት ንምክያድ ናይ ክፉት ማዕጾ ፖሊሲ ይደፍእ ኔሩ።

ኣብ 2022 ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ኣብ ተለቪዥን ወጺኡ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ዩክሬን ኣካል ምልኣታዊ ታሪኽ ሩስያ`ያ ፡ ሓቀኛ መንግስትነት ኔርዋ ኣይፈልጥን፡ ባንቡላ ስርዓት ዘለዋ ብግዳማዊ ሓይልታት ክትመሓደር ዝጸንሐት`ያ ኢሉ። ፑትን ነተን ዝተፈለያ ምብራቓዊ ግዝኣታት ኣፍልጦ ዝህብ ሕጊ ፈሪሙ ሰራዊት ሩስያ ናብአን ክኣትዉ ኣዚዙ። ምዕራባውያን ሃገራት ድማ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ቁጠባዊ እገዳታት ኣንቢረን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 24 ለካቲት 2022 ድማ ፑቲን ኣብ ናይ ንግሆ መደርኡ ኲናት ኣዊጁ፡ብሰለስተ ሸነኽ ብምውራር ድማ ብሚሳይላትን መዳፍዓትን ነፈርቲ ኲናትን ንሓይልታት ዩክሬን ኣጥቂዑ። ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዩክሬናውያን ካብ መንበሪኦም ገዲፎም ኣብ ዝሃድምሉ እዋን፡ ዘለስንስኪ ህዝባዊ ክተት ኣዊጁ።

XS
SM
MD
LG